ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዋናዊ ሪፖርት ዕጹው ኣኼባ ህወሓት ኣብ መቐለ


ሓወልቲ ሰማእታት - መቐለ ትግራይ
ሓወልቲ ሰማእታት - መቐለ ትግራይ

ኣብ መቐለ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ዕጹው ኣኼባ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓትን) ዝተሰናበቱ ነባራት ኣመራርሓን ሎሚ ዓርቢ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ።

ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ‘ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዝግባእ ኣይመራሕናዮን፣ ናብ’ዚ ንርከበሉ ሓደጋ ዝወደቕና’ውን ብሕመቕ ካልኦት መቓልስቲ ውድባት ዘይኮነስ፣ ንሕና ሓላፍነትናን ስራሕናን በቲ ትጽቢት ዝግበረልና ስለዘይፈጸምና እዩ። ብካልእ ክነሳብብ ኣይግባኣናን’ ብዝብል መንፈስ እቲ ኣኼባ ይቕጽልዎ ከምዘሎ’ መንነቶም ንክንዕቅበሎም ዝሓተቱና ምንጭታትና ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ብዘይምሽፍፋንን ብከቢድ ብልሒን ዝቐጸለ መስርሕ ገምጋም ‘ብቓል ጥራሕ’ምበር፣ ሕድሪ ስውኣትና ኣየኽበርናን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዝተበጽሐ’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።

ምንጭታት ቪኦኤ ከምዝገለጹዎ ‘እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩን ዘለውን ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓት ኣተኹሩ ብጽኑዕ ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ንክሓልፉ ይግበር ኣሎ’።

ህዝቢ’ከ እንታይ ይብል ኢልና ሪኢቶ ንክህቡ ዝሓተትናዮም ምንጭታትና ‘ህዝቢ ኣብ’ቲ ፈለማ ከቢድ ጭንቀትን ውጥረትን ወሪርዎ ከምዝነበረን፣ ሎሚ ግን ዕምቆቱን ረብሕኡን ተገንዚቡ ኣዎንታዊ ውጽኢት ሒዙ ክዛዘም’ዩ’ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ’ ኢሎምና።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ነቲ ኣኼባ ዝሓለፈ ሰሙን ረጊጸን ዝወጻ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ናብ’ቲ ኣኼባ ንክምለሳ ከምተፈቐደለን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ እኼባ ንዘይተፈለጠ ጊዜ ከምዝቕጽል’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG