ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንውድድር ኣቦ፡መንበርነት አይቀርብን’የ ኢለ ተኸራኺረ ኔረ፡ ግን ክወዳደር ከም ዘለኒ ተነጊሩ’የ ተወዳዲረ" ዶ/ር ደብረጽየን ገረኣምላኽ


ኣቦ መንበር ህወሓትን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝኾኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገረኣምላኽ ኣብ ጎኒ ጎኒ’ቲ ትማሊ ኣብ መቀለ ዝተኸፈተ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህወሓት፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ምርጫ ኣቦ መንበርነት ኢህወደግ አመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ “ኣነ ናብ ትግራይ ዝመፃእኩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ’ዩ ስለዚ ንውድድር ኣቦ-መንበርነት አይቀርብን’የ ኢለ ተኸራኺረ ኔረ፡ ግን ክወዳደር ከም ዘለኒ ተነጊሩኒ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ’የ ክሰርሕ ዘለኒ ንህዝቢ ትግራይ ክብሪ ሃብዎ ኢለ ከይምረፅ ቀስቂሰ’የ” ኢሎም።

ብዛዕባ ካብ ብኣዴን ዝኾኑ ኣቶ ደመቀ መኮነን’ዉን ናብ ውድድር ከምዘይቀረቡን ፡ ኣብ መወዳእታ ደቂቃ’ዮም ካብቲ ውድድር ርእሶም ኣግሊሎም ዝብል ሓሶት’ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG