ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸብረ መበል 39 ልደት ህወሓት ድሙቅ ኮይኑ ኣይተኸብረን።ምኽንያቱ ህዝቢ ተገዲሱሉ ዘይኮነስ ብምፍርራሕ ውፃእ ተባሂሉ ንክኽበር ስለዝተፈተነ‘ዩ ይብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓንዶም ገ/ስላሴ ገሊፁ።

ኣብ‘ታ ክልል ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊ መሰላት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናሓመቀ ይመፅእ ከምዘሎን፣ገዛኢ ፓርቲ ዴሞክራሲ ናይ ህዝቢ ተረጋጊፁ‘ዩ ዝብል ኣገላልፃ ‘መስሓቅ’ ክብል ይገልፆ ኣቶ ዓንዶም።

ኩሉ ዓይነት መግሃስቲ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዓረና ትግራይ እናተፈፀመ፣ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ውሑስ‘ዩ ምባል ኣይካኣልን‘ውን ይብል ኣቶ ዓንዶም ገ/ስላሰ።
XS
SM
MD
LG