ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተባረሩ መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ 'ኣፍልጦን ምስጋናን' ረኺቦም


ወ/ሮ አረጋሽ፣ ወ/ሮ ፈትለወርቅ፣ ዶ/ር ደብረጽየንን ዶ/ር ኣብራሃምን
ወ/ሮ አረጋሽ፣ ወ/ሮ ፈትለወርቅ፣ ዶ/ር ደብረጽየንን ዶ/ር ኣብራሃምን

ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተባሪሮም ዝነበሩ መራሕቲ ዝነበሩ ሎሚ 11 ለካቲት 2011 ኣፍልጦን ናይ 'የቕንየልናን' ህያብ ተቐቢሎም።

ኣብ'ቲ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኢህወዴግን ዝነበሩ ኣቶ ተወልደ ወ/ማርያም ነቲ ህያብ ኣፍልጦን የቕንየልናን ተቐቢሎም። እቲ ሽልማትን ስነ ስርዓት ዕርቂን ብማሕበረ ሰብ ንግዲን ኣፍረይቲን ትግራይ ዝተዳለወ ከምዝኾነ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ክሊ'ዚን ዝተኣሳሰሩን ነጥቢታት ንክዘራረብ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ካብ ህወሓት ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ካብ መሪሕነት ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኪዳነ ኣማረን'ዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:41 0:00

XS
SM
MD
LG