ብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ ይራኣይ ዘሎ ኩነተ-ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዘጣዕስ ኣይኮነን።እንተኾነ ከምመጠን መስርሕ ሙሉእ’ዩ ንምባል ኣይካኣልን።ዝተረፈ ተቃወምቲ ኣብ ክንዲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ስልጣን ክነውርዶ ኣለና ዝብል ኣተሓሳስባ ተናጊፎም ኣማራፂን ሳዓራይን ኣተሓሳስባ ናብ ህዝቢ ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ ይብል ኣቶ መሓሪ ዮሃንስ።
ምክትል ኣቦ-መንበር ዓረና ኣቶ ጎይቶኦም ፀጋይ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ይትግበር ዘሎ ዲሞክራሲ ናይ ኣምስሉ’ዩ።ተቃወምቲን ገዛኢ ፓርቲን ዝንቀሳቀስሉ ባይታ ዘይምዕሩይን ናብ ኢህወዴግ ዝዛዘወን’ዩ።ስለዚ ገዛኢ ፓርቲ ንሕገ-መንግስቲ ኣኽቢሩ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ኢና ንደሊ ይብል።