ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ኣባላቱ ብግዜያዊ ምምሕዳር ይእሰሩ ምህላዎም ይኸስስ


ምኽትል ኣቦ-መንበር ኰይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ
ምኽትል ኣቦ-መንበር ኰይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ምኽትል ኣቦ-መንበር ኰይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ብወገን ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ አባላት ህወሓት ብፖለቲካዊ መርገፂኦም ጥራይ ግዳይ ማእሰርቲን ካብ ስራሕ ምእላይን ይዀኑ ኣለዉ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ወገን ግዜያዊ ምምሕዳር ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ሎሚ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ንመሓውራት ዜና መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ብህድኣት ክፍታሕ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ማእሰርቲ ቅሬታ እውን መፍትሒ ዝረክብ ዝብል ምላሽ ሂቦም። ብዛዕባ ተኣሲሮም ዝተባህሉ ናይ 26 ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሎም እውን ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG