መቐለ —
መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ጉባኤ ድሕነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ሰሉስ 13 ነሓሰ 2024 ኣብ መቐለ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ ንምኽትል ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ዝሓወሱ 14 ኣባላት ማእከላዊ ኮሚተ ዝተቓወሙዎ’ዩ። ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ’ውን ንውጽኢት እቲ ጉባኤ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ገሊጹ’ዩ። ኣቦ-መንበርን ተሳተፍቲን እዚ ጉባኤ ግን ነቲ ውድብ ንምድሓን ወሳኒ ምዃኑ’ዮም ይገልጹ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ