ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ህወሓት 'ንህዝቢ ዝረብሕ ውሳነ ዝሓልፈሉ'ምበር፣ ካልእ ሸርሒ ዝስራሓሉ ንከይኾን' ኣቦ መንበር ህወሓት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም


መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ጀሚሩ
መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ጀሚሩ

መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 'ህዝባዊነትና መሰረት ጽንዓትናን ህዳሴናን' ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ 'ድልየትን ሕቶን ህዝቢ ትግራይ ዝምልሱ ውሳነታት ክሓልፉ'ዮም ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም' ገሊጾም። 'በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ'ዚ፣ ኣብ'ቲ ጉባኤ ዝተረኸብና ሕድ-ሕድና ንሕድሪ ስዋኣት ከየዕበርና ንህዝቢ ዝረብሕን ሓሳባትን ውሳነታትን ክነሐልፍ ዲና ወይስ ካልእ ሸርሒ ክንፍጽም?' ኢሎም ሓቲቶም።

ጉባኤ ህወሓት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይምቅድዳው ተፈቲሑ ናብ ንቡር ሰላም ምእታው ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን'ዩ ይካየድ ዘሎ።

ኣብ'ቲ ስሩዕ ጉባኤ ናይ ደገፍ መልእኽቲ 3 ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ፣ ንመራሒ ዓረና ትግራይ ሓዊሱ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ተፎኻኸርቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ከምኡውን ወከልቲ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይናን ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃን መልእኽቲ ኣቕሪቦም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:23 0:00

XS
SM
MD
LG