ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕወሓት ሓዲሽ መሪሕነት መሪፁ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝርከብዎም ነበራት መራሕቲ ካብ መሪሕነት ወጺኦም


10ይ ጉባኤ ሕወሓት ንቐዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ እንደገና ብቐዳማይ ምንስትርነቶም ክቕጽሉ ዝመረጾም ክኸውን ከሎ፡ ንነባር ተቓላሳይ ስብሓት ነጋ ካብ መሪሕነት ሕወሓት ኣሰናቢትዎም ኣሎ

10ይ ጉባኤ ሕወሓት ንቐዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ እንደገና ብቐዳማይ ምንስትርነቶም ክቕጽሉ ዝመረጾም ክኸውን ከሎ፡ ንነባር ተቓላሳይ ስብሓት ነጋ ካብ መሪሕነት ሕወሓት ኣሰናቢትዎም ኣሎ።

ሕወሓት፡ ብናእሽቱ ናይ ምትኽኻእ ዕላማ ይኽተል ከምዘሎ ዝገለጹ ኣቶ ቴዎድሮስ ሓጎስ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ ጥራሕ`ዮም ቕድሚ ምውዳቕ ደርጊ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ኣብ መሪሕነት ተሪፎም ዘለዉ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ “ብጻይ መለስ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ ኣብቲ ፈጻሚ ስራሕ፡ ብጻይ መለስ`ውን ለበዋ ኣቕሪቡ`ኳ እንተነበረ ናይ ኢህወደግ `ውን ኣቦ መንበር ስለዝኾነ ኣይተቐበሎን፡ ንዝቕጽል 5ተ ዓመት ክቕጽል`ይ” ኢሎም።እቲ ናይ ምትኽኻእ ስራሕ ኣብ`ዚ ጉባኤ`ዚ ጀሚርናዮ ኣለና ክብሉ`ውን ገሊጾም።

ኣብቲ 9ተ ዝኣባላቱ ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓት፡ በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ፡ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን`ውን ኣትየን ኣለዋ። እዚ ንሕወሓት ናብ ሓደ ናይ ቤተሰብ ፓርቲ ከምዝተሰጋገረ ከምስሎ`ዶ ኣይክእልን ንዝብል ሕቶ ዝመለሱ ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ፡” ኣዜብ ክትጋደል ከላ ሰይቲ መለስ ክትከውን ኢላ ኣይኮነትን ተጋዲላ፡ ዕላማ ኣሚና ክትቃለስ ጸኒሓ፡ ሕጂ`ውን ከም ማንም ተጋዳላይን ኣባልን ኣብ ስራሕ ተመዲባ`ያ ትሰርሕ ጸኒሓ” ኢሎም።

ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓት ኮይኖም ዘለዉ፡

1. ኣቶ መለስ ዜናዊ

2. ኣቶ ጸጋይ በርሀ,

3.ኣቶ ኣባይ ወልዱ

4.ኣቶ ኣባዲ ዘሞ

5. ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ

6. ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም

7. ኣቶ ደብረጺዮን ገብረሚካአል

8. ኣቶ በየነ ምክሩ

9. ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን

XS
SM
MD
LG