ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምስ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ተበጊሶም ዝነበሩ ገለ ጉጅለ ኣብ በረኻታት ሱዳን ተሓቢኦም ስለዘለዉ ክንመልሶም ንፍትን ኣለና" ም/ኣቦ-መንበር ድምሕት


ኣቶ መኮነን ተስፋይ ድምሕት 25 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ዝሓዘ`ዩ፡ ካብኦም ከኣ ወላ ሓደ ምስ ኣቶ ሞላ ዝኸደ የለን ይብል

ኣቦ-መንበር ደምሕት ዝነበረ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ፡ምስ ዝተወሰኑ ኣባላቱ ብሱዳን ጌሩ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ርኢቶታት ዝተረሓሓቐ `ዩ። ኣቶ ሞላ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ደምሕት ዝተወደበን ዝዓጠቐን ውድብ ከምዘየለን፡ ናይ በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ መሪሕነት ንስእልን መለምኒ ግንዘብን ጥራሕ ከምዘገልግልን ተዛሪቡ ኔሩ።

ትማሊ ካብ ኣቶ ሞላ ዝሰማዕናዮን ካልእ ሓዲሽ ምዕባለታትን ኣሎ እንተኾይኑን መሰረት ዝግበረ ቃለ-መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣቦ-መንበር ደምሕት ኣቶ መኮነን ተስፋይ ተኻይዱ`ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:07 0:00

XS
SM
MD
LG