ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ሞላ ኣስገዶም 'ናብ "ደምበ ፀላኢ" ኣብ ዘይተፀበናዮ ጊዜን ኩነታትን'ዩ ሃዲሙ' ኢሎም ኣቶ ንኣምን ዘለቀ


Ethiopia
Ethiopia

ኣብ ኤርትራ ዝመደብሮም ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ንዘካይድዎ ቃልሲ ዝሰፍሐ መሰረት መእንታን ክሕዝ ተባሂሉ ‘ምስ ኣቶ ሞላን ዝመርሖ ዲምህትን ካልኦት ውድባትን ኣብ ምስረታ ግንባር ንዓመታት ተቀራሪብና ንሰርሕ ነይርና’ ይብሉ ኣቶ ንኣምን ዘለቀ።

ድሕሪ’ቶም ተኸታተልቲ ልዝባት፣ኣብ’ዚ ቀረባ ምስረታ ግንባር ተሳሊጡ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ ኣቦ-መንበር፣ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ምክትል ኮይኖም ከምዝተመርፁን፣እንተኾነ ብዘይተፀበይዎ ኣገባብን ጊዜን፣ኣቶ ሞላ ናብ ደምበ ፀላኢ ዝበልዋ ኢትዮጵያ ሃዲሙ በሉ ኣቶ ንኣምን።

ኣብ እዋን ምስረታ ግንባር ምድሓን ኢትዮጵያ፣ዶ/ር ብርሃኑ ንኣቶ ሞላ ዝዓበየ ሓይሊ ዘለኩም ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም ንስኻ ኣቦ-መንበር ኩን ክብሎ ከሎ፣ ኣቶ ሞላ ግና ኣነ ወዲ ሓረስታይ እየ።ንስኻ ኣቦ-መንበር ኩን ከምዝበለን ሓቢሮም ኣቶ ንኣምን ዘለቀ።

ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንኤርትራ ሓድሽ መጠንቀቂ ከምዘቃልሑ ዝዝከር’ዩ።

እቶም ቀ/ሚ ‘ከይትፍትን።እንተፈቲንካ ግና ኣቲና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዘየዳግም ስራሕ ፈፂምና ክንወፅእ ኢና’ ኢሎም ነይሮም።

ኣቶ ንኣምን ዘለቀ ብወገኖም ‘እዚ ዝተለመደ ጃህራ’ዩ፣ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ’ውን ተመሳሳሊ ጃህራ ኣቃሊሖም’ዮም ‘ በሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:50 0:00

XS
SM
MD
LG