ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 11 ሃገራት ዝሳተፋሉ "ቱር መለስ" ውድድር ብሽክለታ ይካየድ'ሎ


"ቱር መለስ" ውድድር ብሽክለታ
"ቱር መለስ" ውድድር ብሽክለታ

ኣብ "ቱር መለስ" ውድድር ብሽክለታ ዝሳተፉ 72 ተወዳደርቲ ትማሊ ነሓሰ 22 ካብ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ተበጊሶም ኣለዉ። ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣክሱም በፂሖም።

ፅባሕ ነሓሰ 24 ካብ ከተማ ሽረ ናብ ከተማ ዓድዋ ክጓዓዙ እዮም።

ስነ ስርዓት እቲ ዓለምለኻዊ ውድድር "ሕብረት ብሽክለታ ዓለም" እዩ ዝመርሖ ዘሎ። ብተወሳኺ ሚኒስቴር መናእሰይን ስፖርትን፣ ፌደሬሽን ብሽክለታ ኢትዮጵያን ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ክልል ትግራይን እውን ኣብቲ ከይዲ ይሕግዙ ኣለዉ።

ኣብቲ ውድድር ካብ ሃገራት ግብፂ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ታንዛንያ፣ ጋና፣ኮትዲቫር፣ናይጀርያ፣ኣልጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ዝተረኸቡ ብሽክለኛታት ይነሓንሑ ኣለዉ።

ፍልፍል እዚ ሓበሬታ እዚ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዝኣብሔር እዮም።

XS
SM
MD
LG