ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ሞሮኮ፡ ናትናኤል ብርሃነ ብጫ ማልያ ተረኪቡ


31 ግንቦት ጀሚሩ ሎሚ ረቡዕ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ሞሮኮ፡ ምስ ቱርካዊት ክለብ ባዞክ በልዲሲ ዝጻወት ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፡ ብሓፈሻዊ ስርርዕ (General classification) ቀዳማይ ኰይኑ ነቲ ውድድር ይመርሖ ኣሎ። ብጫ ማልያ ድማ ሎሚ ተረኪቡ።

ኣብዚ ውድድር ወዲ ጋንታኡ ንናትናኤል ዝዀነ ኤርትራዊት ጰጥሮስ መንግስ ኣብ ምድብ ኣንበሳ ዓቐብ ራብዓይ ተራ ሒዙ'ሎ፡ ንሰቨን ኢለቨን ዝስለፍ ኤርትራዊ ኣኽሊሉ ገብረሂወት’ውን ኣብ ምድብ ዓቐብ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ብዓለምለኸ ፈደረሽን ብሽክለታ ናይ 2.2 መዕቀኒ ዘለዎ ዙር ሞሮኮ፡ 10 መድረኻት ዝሓዘ ኰይኑ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 9 ሰነ ዝካየድ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር ብሓፈሻ (እንኮላይ ንሃገራውያን ጋንታታት ሓዊሱ) 19 ጋንታታት ይወዳደራ ኣለዋ። ኣብዚ ዙር ኤርትራውያን ናትናኤል ብርሃነ፡ ጴጥሮስ መንግስ፡ ኣኽሊሉ የማነን ኤቨን የማንን ኣብ ክልተ ክለባት ጠርኒፎም ይወዳደሩ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG