ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 144.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 19 መድረኽ ዙር ፈረንሳ ንሓፈሻዊ ስርርዕ ዝመርሕ ዘሎ ታደይ ቦካቻ ብምዕዋቱ መሪሕነቱ ናይ ግዜ ፍልሉይን ኣግፊሑ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ኣመሪካዊ ማቲዮ ዮርገንሰን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ እንግሊዛዊ ሳይሞን ዪትስ ድማ ሳልሳይ ኣትዩ።
ኤርትራዊ ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማርሸ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ ኣብ ግዜኡ ነቲ ውድድር ስለ ዝዛዘሞን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንሱ ኮነ ንቐጠልያ ማልያ ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን ነጥቢ ስለ ዘየምጽኡ፡ እቲ ዝጸንሖም ናይ ነጥቢ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ፡ ማለት ብ33 ነጥቢ፡ ቀጺሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ከኣ ቢንያም ነታ ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ኣትሒዙ ዝተረከባ ቀጠልያ ማልያ ናብ መዛዘሚ የብጽሓ ኣሎ። ቢንያም ድሕር መውደቕቱ’ውን ኣብዚ ጸወታ ጽቡቕ ይግስግስ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ክልተ መድረኻት ጥራይ ተሪፉዎ ዘሎ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ብውህሉል ነጥቢ ዝዕወተሉ ይመስል። ሕጂ ዝጽበዮ ዘሎ ኣብ ግዜ ነቲ ውድድር ምዝዛም ጥራይ ይመስል።
ኣብቲ ሰንበት ብናይ ግዜ ውድድር ዝዛመም ዙር፡ ተወዳደርቲ ጽባሕ ቀዳም ሓያል ዓቐበት ዝርከቦ 132.8 ኪሎሜተር ይጽበዮም።
ቅጥዒ