ዋሽንግተን —
ሎሚ ሶኑይ 15 ነሓሰ,2009 ወይ 21 ነሓሰ 2017 ዓ.ም፣ ነበርቲ ብርክት ዝበላ ክፍላተ ሃገራት ኣሜሪካ ነቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ 99 ዓመታት ሓንሳብ ዘጋጥም ኣብ ከባቢኦም ዝፍጠር ምሉእ ከውሊ ጸሓይ (Total Eclipce) ዝባሃል ክስተት ብዓይኖም ይዕዘቡ ኣለው።
ወርሒ ንምድሪ ኣብ መዓልቲ ሓደ ጊዜ ትዞራ። ስለምንታይ ዳኣ’ዩ mሉእ ከውሊ ሳሕቲ ዝፍጠር ኢልና ንሓትት ንኸውን።
ሙሉእ ከውሊ ‘ወርሒ ኣብ ሞንጎ ጸሓይን ምድሪን ክትሓልፍ ከላን ሙሉእ ንሙሉእ ብርሃን ጸሓይ ናብ ምድሪና ንከይሓልፍ ክትክውሎን ከላ ዝፍጠር ኩነተ ጽልግጽልግ’ዩ።