ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም። ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ምኽትል ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ያን ፒየር ላክሮይክስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ኣብ ኮንጎ ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብቕልጡፍ ክወጹ ኣለዎም ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ መንግስቲ ኮንጎ ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ ዝውሃብ ምላሽ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ ኢሉ።

ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ካብ መንጎ ዝዓበየን ብዙሕ ገንዘብ ዝተበደበሉን ተልእኾ ምዃኑ ይግለጽ። ዓመታዊ ባጀቱ ኣስታት ሓደ ቢልየን ዶላር`ዩ።

እቶም መብዛሕቲኦም ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝብሃል ምብራቓዊ ኮንጎ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ኣስታት 16 ሽሕ ዝኾኑ`ዮም።

እንተኾነ ጎንጺ ክከላኸሉ ኣይክኣሉን ዝብል ተቓውሞታት ክመጾም ጸኒሑ`ዩ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻሮም ኣብ ዝተኻየደ ጎንጻዊ ተቓውሞ ድማ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዓቀብቲ ሰላም ምቕታሎም ይዝከር።

ካልኦት ዞባዊ ዓቀብቲ ሰላም ሓይልታት ገና ኣብታ ሃገር ተመዲቦም ከም ዘለዉ ይፍለጥ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG