ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ናብ ግብጺ ዝመደብዎ ዑደት ምስራዞም ተገሊጹ


ሱዳንን ግብጽን ንሓድሕደን ግብረ ሽበራ ይድግፋ ብዝብል ኣብ ዝካሰሳሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ዘኽፈአ ደረጃ የምርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ውጥረት ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ናብ ግብጺ መዲቦሞ ዝነብረ ምብጻሕ ምስራዞም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ግብጺ ሱዳን ኣብ ሊብያ ንዝርኸቡ ሚሊሻታት ጥሩፍ ጉጅለ ትድግፍ እያ ክትብል ኸላ ሱዳን ብወገና ግብጺ ኣብ ዳርፉር ንዘለው ካብ ሱዳን ክንጸሉ ዝደልዩ ጉጅለ ትድግፍ’ያ ክትብል ትኸስስ።

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ተታሒዞም ዝተባህሉ ደባይ ተዋጋእቲ ናይ ግብጺ ወታሃደራዊ መኪና ይዝውሩ ኔሮም ዝብል ሓበሬታ፡ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ንዘለው ጉጅለታት ግብረ ሽበራ ትድግፍ እያ ክብሉ ናይ ሱዳን ዑመር አልበሽር ከሲሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG