ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋት ሰበ ስልጣን ኬንያ ብምጥሓስ ውሳነ ቤት ፍርዲ ተኸሲሶም


ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኬን ያ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ነፍሲ ወከፎም 2000 ዶላር ክቕጽዑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

እቶም ሰበ ስልጣን ንምፍታሕ ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ሙጉና ሙጉና ዝርኸቦም ዝተፈላለዩ ገበን ፈጺሞም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ።

እዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ፈጻሚን ሓጋጊ አካል እታ ሃገር ንነዊሕ ዝጸንሓ ፍልልይ ዘርእይ እዩ።

እቶም ዝተኸሰሱ ሰበ ስልጣን ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ፍረድ ማቲንጋ ጠቕላሊ አዛዚ ፖሊስ ጆሴፍ ቦነት ከምኡ’ውን ሓላፊ ክፍሊ ኢምግሬሽን ጎርዳን ኪሃላንግዋ ኮይኖም ስለስቲኦም ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቤት ፍርዲ ንዝወሰኖ ምልቓቅ መራሒ ተቓወምቲ ሙግና ሙግና ብምጥሓስ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ብምግባሮም ነቶም ሰለስተ ሰበ ስልጣን ገበነኛታት እዮም ክብል ነቲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ምውሳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሙግና ዳግማይ ናብ ዱበይ ምጥራዙ እተተሓበረ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኾነን።

ሰብ ሞያ ሕጊ ኬንያ ብረቡዕ ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዝፍጸም ምጥሓስ ሕጋዊ መስርሕ ብምቕዋም ቢጫ ሪበን አሲሮም ምውዓሎም ተፈሊጡ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG