ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ አል-ሸባብ ተቀቲሉ


ደጋፊ እስላማዊ መንግስቲ/ዳዕሽ/ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ኣል-ሸባብ ብድቢያ ከምዝተቐትለ ነበርቲ ደቡባዊ ሶማል ንምንጭታት ቪኦኤ ክፍሊ ሶማል ገሊጾም።

እቲ ላዕለዋይ መራሒ አል-ሸባብ ሸኽ ሑሰን ዓብዲ ገዲ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ተዋጋእቲን ኣብ ማእኸላይ ዞባ ጁባ ጉድለይ ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ብድቢያ ተቐቲሎም ኣለው።

ገዲ ላዕለዋይ ምሁር ኣል-ሸባብን ክሳብ ቀረባ ጊዜ ናይቲ ጉጅለ ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ጁባን ከምዝነበረን ንኣል-ሸባብ ብምግዳፍ ንተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ንእስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶሪያን/ዳዕሽ/ ንኽድግፉ የእምን ከምዝነበረን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ደገፍቲ ዳዕሽ መጥቓዕቲ ክፍጽም እዚ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ምስ'ዚ ዝተኣሳሰረ ዜና ናይ መን ምዃና ዘይተፈልጠት ነፋሪት ትማሊ ሰንበት ካብ ሞቓድሾ 120 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደብር ኣል-ሸባብ ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ብዉሑዱ ሸሞንተ ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ተቐቲሎም ይብሉ ነበርቲ'ቲ ከባቢ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ብዉሑዱ ሰለስተ ታሕተዎት ኣዘዝቲ አል-ሸባብ ክኾኑ ከለው ነበርቲ'ቲ ከባቢ እዚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ዝፍጸመኦ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።ካብ ፔንታጎን ዝተወሃበ መግለጺ ግን የለን።

XS
SM
MD
LG