ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልጀርያ ሓሊፋ ጋና ካብ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ተባሪራ


ግጥማት ፅዋዕ ዓለም
ግጥማት ፅዋዕ ዓለም
ሪፖርት ፅዋዕ ዓለም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:37 0:00
መራገፊ

ተናኻሳይ ሉኢስ ስዋረዝ ብተኸታታሊ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኡሩጓይ ተካይዶም ትሻዓተ ግጥማት ንከይሳተፍ ብፊፋ ተኣጊዱ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ሉኢስ ስዋረስ ካብ ሓደ ስፖርታዊ ትፅቢት ዘይግበረሉን ኣብ ቅድሚ ሚልዮናት ህዝብታት ዓለም ዝከታተልዎ ግጥማት ፅዋዕ ዓለምን ነውሪ ተግባር ፈፂሙ ይብል።

ብመሰረት ሕጊን ስሪትን ፊፋ፣ሉኢስ ስዋረስ ትሻዓተ ግጥማት ተኣጊዱ‘ሎ። እቲ ውሳነ‘ዚ ጋንታ ኡሩጓይ ኣብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ ምስ ኮሎምብያ ኣብ ይፅበያ ዘሎ ወሳናይ ግጥም ከምዝጅምር ይጠቅስ።ንጋንታ ኡሩጓይ ዓብዪ ኪሳራ፣ንኮሎምብያ ዘሕጉስ ዜና።እቶም ዝተረፉ ሸሞንተ እገዳታት ሃገራዊት ጋንታ ኡሩጓይ ናብ ቀፃላይ ብርኪ እንተሓሊፋ’ውን ክትግበር‘ዩ።

ኣብ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ናይ ሓሙስ፣ጀርመን ንኣሜሪካ ሓደ ንዜሮ፣ ፖርቹጋል ንጋና ክልተ ንሓደ ስዒራ።

ቤልጅየም ብዓሰርተ ሰባት ኣንፃር ደቡብ ኮርያ ተፃዊታ ሓደ ንዜሮ ስዒራ።ካብ ምድባ እውን ሙሉእ ትሻዓተ ነጥቢታት ኣመዝጊባ ቀዳመይቲ ኮይና ንውድድራት መፃረዪ ዛዚማቶ።

ኣልጀርያን ሩስያን ማዕረ ሓደ ንሓደ ተፈላልየን።ብመሰረት‘ዚ ኣልጀርያ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ካልኣይ ኮይና ሓሊፋ‘ላ።

XS
SM
MD
LG