ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦላ ቲኑቡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ቦላ ቲኑቡ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ስዒቡ ሎሚ ሶኑይ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ፅንብል ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ቲኑቡ ኣብ ዋና ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኤግልስ ስኵር ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ምርጫ ክልተ ተወዳደርቲ እቲ ምርጫ ተሰሪቑ እዩ ብዝብል ነቲ ዓወት ይብድህዎ። ምስማዕ እቲ ክሲ ፅባሕ ሰሉስ ዝጅመር ኮይኑ ውሳነ ፍርዲ ድማ ቅድሚ መስከረም ትፅቢት ኣይግበርን።

ፕረዚደንት ነበር ቡሓሪ ኣብታ ዝዓበየ ቁጠባን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር ብዓሙቕ ተኸፋፊላ ኣብ ዘላቶ እዋን'ዩ መዝነቶም ኣረኪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG