ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነተር ቲሞቲ ከይን ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ደሞክራት ኮይኖም ተረቑሖም


ሰነተር ቲሞቲ ከይን ናይ ቨርጂንያ ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ደሞክራት ኮይኖም ኣብ ሓፈሻዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክወዳደሩ ብሂላር ክሊንተን ተረቑሖም።

ሰነተር ቲሞቲ ከይን ከንቲባ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ከምኡውን ኣቦ መንበር ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራስያውያን ኮይኖም ከገልግሉ ተመሪጾም ምንባሮም ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ምልከት ቋንቋ ስጳኛ ከምዘለዎ ዝግለጹ ሰነተር ቲሞቲ ከይን: ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራትን ንዝኾነ ሄላሪ ክሊንተን ደገፍ ናይ ዝበዝሑ ላቲን ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ንምርካብ ብዝለዓለ ክሕግዘን ከምዝኽእል ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ሰልፊ ደሞክራት ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፊላደልፍያ ዋዕላ ከቃንዕ'ዩ። ኣብቲ ዋዕላ ንሄላሪ ክሊንተን ብወግዒ ሕጽይቲ ደሞክራትስ: ንቲሞቲ ከይን ድማ ምክትለን ኮይኖም ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣመሪካ ክወዳደሩ ክጸድቁዮም።

ሰነተር ቲሞቲ ከይን ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ደሞክራት ኮይኖም ተረቑሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:41 0:00

XS
SM
MD
LG