ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ ርክብ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ምህናጽ ክጽዕሩ ፕረ.ትራምፕ ነጊሮምኒ” ሚ. ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ


ፋይል፡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን
ፋይል፡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን

ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ካብ ስርሖም ንዝተሰጉ ዳይሬክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ (FBI) ጄምስ ኮመይ ቃለ ምስክርነት ክሰምዕ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ፕረዝደንት ትራምፕ ርክብ ሩስያን ኣሜሪካን ክሃንጹ ዝከአሎም ክጽዕሩ ከምዝሓተትዎምን እቲ ሩስያ አብ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ጣልቃ አትያ እንተኾይና ዝግበር ምርመራ ከይገትኦምን ከምዝነገርዎም ገሊጾም።

ኣብ እዋን ወፍሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ አብ መንጎ ወፍሪ ፕረዝደንት ትራምፕን ሩስያን ምትሕብባር ኔሩ’ዩ ንዝብል ሕቶታት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሬክስ ቲለርሰን ክሳብ ኒውዚላንድ እግረ እግሮም ስዒቡ’ሎ።

ቲለርሰን ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ምትእምማን ምስ ሩስያ ኣብ ምህናጽ አተኩሮም ጥራይ ክሰርሑ ከምዝነገርዎም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG