ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ቐጠርን ኣብ ጉዳይ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ናይ ስምምዕ ሰነድ ተፈራሪመን


እዚ ስምምዕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ምስ ናይ ቐጠር መዘነኦም ሸኽ መሓመድ ታኒ ኣብ ዶሃ ሎሚ ሶሉስ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ምክያዱ ተገሊጹ።

ዑደት ሚንስትር ቲለርሰን ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥን ቐጠርን ዝሰፈነ ወጥሪ ንምፍታሕ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ ስምምዕ ዝተበጽሓ ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ምኳኑ ሓቢሮም።

“ኣሜሪካ ሓደ ዕላማ ኣለዋ ፡ ንሱ ድማ ብግብረ ሽበራ ካብ ገጽ መሬት ምጥፋእ” ዝበሉ ረክስ ቲለርሰን “ እዚ ሎሚ ዝተፈረመ ስምምዕ ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ዘተ ኣብ መንጎ ሰብሞያ ኮይኑ ንመንፈስ ዋዕላ ሪያድ ዘሕድስ’ውን እዩ። እዚ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምኽትታትልን ደው ምባልን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራን ኣብ መጻኢ ክኽተልዎ ዘለዎም መስርሕ ዝገልጽ እውን’ዩ።”

ረክስ ቲለርሰን ድሕሪ ናይ ቐጠር ዑደቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዘምርሑን ኣብቲ ውጥረት ሃገራት ውሽመጥ ዝምልከተን መራሕቲ ካልኦት ሃገራት’ውን ከምዝራኸቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣቐዲሞም ኣብ ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥን ቐጠርን መንጎኛ ዝኾነት ኩዌት ብምብጻሕ ምስ አሚር ሸኽ ሳባሕ ኣል ኣሕመድ ኣል ሻባሕ ምርኻቦም ይዝከር።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG