ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ/ ኣሜሪካ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣብ ኣፍጋኒስታን  አካይዶም


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ኣብቲ ሎሚ ሶኑይ ዘካየድዎ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ምስ ፕረዝደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጅያኒ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ርኽብ ሚንስትር ረክስ ቲለርሰን ሓድሽ ስትራቴጂ ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኤስያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ “ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም ንምስፋንን ካብቶም ነዚ ዕላማ ዘተዓናቕፉ ግብረ ሽበራዊያን መዕቆቢ ከይትኸውን ንምክልኻል ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ናይቲ ዞባ መሻርክትን ንምስራሕ ዘአተወቶ ቃል ገሊጾም” ክብል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ካቡል ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣብ ኣፍጋኒስታን አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

“ፕረዚደንት ጂያኒ ደጋጊሞም ነዚ ናይ ኣሜሪካ ሓድሽ ስትራቴጂ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ መንግስቶም ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ደሕንነት ዜጋታት እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝዓለመ ለውጢ ዝአተውዎ ቃል ኣተኩሮም ተዛሪቦም።”

ሚንስትር ቲለርሰን ከም ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናብ ኣፍጋኒስታን ክገሹ እዚ ናይ መጀመርያ ጊዜኦም እዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ሚንስትር ቲለርሰን ትማሊ ሰንበት ኣብ ጻዕርታት ጸረ ግብረ ሽበራ ንምዝርራብ ናብ ዶሃ ምብጽሖም ተፈሊጡ’ሎ። ንሶም ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀጠርን ጎረባብታ ሃገራት ወሽመጥ ዝተፈጥረ ውጥረት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

ኣቐዲሞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሑ ቲለርሰን ስዑዲ ምስ ጎረቤታ ዒራቕ ንዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ክትጽዕር ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG