ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሃገሮም ምስ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ብዘሎ መደብ ናይ ኣፍሪቃ መገሽኦም ምሕጻሮም ተገሊጹ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኒ’ጃሚና ቻድ
ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኒ’ጃሚና ቻድ

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ምስ ሰሜን ኮሪያ ብዛዕባ ዝግበር ዝርርብ ብዘሎ መደብ ናይ ኣፍሪቃ መገሽኦም ብሓደ መዓልቲ ብምሕፃር ፅባሕ ሶሉስ ናብ ዋሽንግተን ከምዝምለሱ ተፈሊጡ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ብምኽንያት ጉዳይ ሰሜን ኮሪያ ሓዊሱ ህፁፅ መደባት ናይ ኣፍሪቃ መገሽኦም ብምሕፃር ክምለሱ እዮም።

"ብምኽንያት ህፁፅ ናይ ስራሕ መደብ ኣብ ቻድን ናይጀሪያን ዝነበሮም ወግዓዊ ርክባት ምስወድኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሞም ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ እዮም’’ ክብሉ ተሓባባሪ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ስቲቭ ጎልስተይን ሎሚ ሶኑይ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ዮንግ-ኡን ገፅ ንገፅ ክራኸቡ ንዝቐረበሎም ዕድመ ምቕባሎም ዝገለፁ ቲለርሰ ኣብ ኣፍሪቃ ከለው እዩ።

ቲለርሰን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ኒ’ጃሚና ቻድ ምስ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደብይ ድሕሪ ምዝርራቦም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻድ ፕረዚደንት ዘንበሩዎ ናይ ጉዕዞ እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ክተልዕሎ ትኸውን እያ ኢሎም።መንግስቲ ቻድ ቁፅፅር ፓስፖርትን ምልውዋጥ ሓበሬታን ኣመሓይሹ ኣሎ እውን ኢሎም ኣለው።

ንሶም ብምቅጻል ምስ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ሙሓማዱ ቡሓሪ ንምዝታይ ናብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ኣቡጃ ኣምሪሖም።

ቲለርሰን ጥዕንኦም ጽቡቕ ስለዘይተሰምዖም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኬንያ ከሳልጥዎ ሒዞምዎ ዝነበሩ መደባት ሰሪዞም።ሎሞ ሶኑይ ግን ኩነታት ጥዕንኦም ከምዝሓሾምን ኣብ ጉዳይ ኮሪያ፣ቐረፅን ባጀት ቤት ፅሕፈቶም ብዝምልከት ንኮንግረስ ቃል ምስክርነት ንምሃብን ፅባሕ ሰሉስ ንግሆ ዋሽንግተን ክኣትው እዮም ክብሉ ምክትሎም ስቲቭ ጎልድስተይን ሓቢሮም።

ቲለርሰን ቅድሚ 20 ዓመታት ብኣል-ቃይዳ ዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ንዝተቐትሉ ንምዝካር ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ትማሊ ሰንበት ሕቋፍ ዕምበባ ኣንቢሮም።

“ከም እትፈልጡዎ ኣብ 1998 ግብረ ሽበራዊያን ኣብ ናይሮቢ ንዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብምጥቓዕ ቅስሚ ህዝቢ ኬንያን ኣሜሪካን ክሰብሩ መሲሉዎም ነይሩ።ተጋጊዮም።ድሕሪ 20 ዓመታት ህይወቶም ንዝጠፍአን ንዝቖሰሉን ንምዝካር ኣብዚ ተራኺብና ኣለና።”

ቲለርሰን ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ መንጎ ኬንያታን መራሒ ተቓዋሞ ራይላ ኦዲንጋን ዝተገብረ ፖለቲካዊ ዕርቂ ‘’ንናይ ኬንያ ዓሌታውን ፖለቲካዊን ምክፋል ዘወገድ እዩ ክብሉ ንኢዶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG