ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ንሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ረክስ ቲለርሰን ካብ መዝነቶም አባሪሮሞ


ፕረዚደንት ትራምፕ ንሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ረክስ ቲለርሰን ካብ መዝነቶም ብምብራር ብዳይሬክተር CIA ማይክ ፔምፖዮ ከምዝትኽእዎም ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ረክስ ቲለርሰን ካብ መዝነቶም ብምስጓግ ብዳይሬክተር CIA ማይክ ፔምፖዮ ከምዝትኽእዎም ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ንግሆ ንሪፖርተራት ከምዝበለዎ ንሶምን ቲለርሰንን ብዛዕባ’ዚ ንነዊሕ እዋን ይዘራረብሉ ከምዝነበሩን ገሊጾም። ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ኣብነት ካብ ዝጠቐስዎ ፍልልያት ኣብ ውዕል ኑክሌር ኢራን ምስ ቲለርሰን ዝነበሮም ፍልልይ ኮይኑ፡ ንሶም ሕማቕ ምኳኑ ክገልጹ ከለው ቲለርሰን ግን ደሓን ምባሎም ብምጥቃስ ብሓቂ በኣተሓሳስባ ነንበይና ኢና ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማኦ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG