ዋሽንግተን —
ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝነበሮ መጋብኣያ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ክሳብ ሰንበት ብርክታቱ ናብ ካልእ ሃገር እንተዘይሸይጡ ዝኽልክል ናይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣጽኒዑ። ደያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብምሉእ ድምጺ ክጸንዕ ዘሕለፉዎ ውሳነ እቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ክሳብ ሰንበት ዓቢ ውሳነ ምስ ዘይወስድ ነቶም ልዕሊ 170-ሚልዮን ዝበጽሑ ተጠቀምቲ ኣብ ኣመሪካ ዝኽልክል’ዩ።
ክኢላታት ከም ዝብሉዎ ነቶም ድሮ ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ ዘለዉ ክሳብ 19 ጥሪ ክጸንሕ’ዩ። ሓደስቲ ተጠቀምቲ ግን ክጽዕኑ ኣይክኽእሉን’ዮም።
ቲክቶክ ምስጢራት ኣመሪካውያን ይዕድን ኣሎ ብዝብል ምኽንያት’ዩ ባይቶ ኣመሪካ ጸኒሑ ድማ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ካልእ ክሽየጥ ወይ ድማ ኣብ ኣመሪካ ክኽልከል ወሲኑ።
ቅጥዒ