ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክተብርክት ተገዳስነት ኣርእያ


Eritrea and Russia FMs-Sign
Eritrea and Russia FMs-Sign

ኣቲ ተበግሶ ዝተሰምዐ፡ ምንስትራት ወጻኢ ሩስያን ኤርትራን ኣብ ሞስኮ ስምምዕ ክልቲኣዊ ርክባት ድሕሪ ምፍርራሞም እዩ

ብምንስተር ወጻኢ ኤርትራ ዖስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ሩስያ ዑደት ክገብር ቀኒ`ዩ`ሎ።

ድሕሪ ስነ-ስርዓት ክልቲኣዊ ፊርማ ዝተዛረቡ ሚንስተር ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ “ኣብ ኣህጉራዊ ሕግታት፡ ተራ ሕቡራት ሃገራት፡ ኸምኡ`ውን ዓለማዊ ስግኣታት ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ምስ ኤርትራ ተመሳሳሊ መርግጽ ከምዘለና ኣረጋጊጽና’ ኢሎም።

ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት መዕለቢ ኣብ ምሃብ`ውን ክነበርክት ድልየት ኣለና ኢሎም።

ኩባንያታት ሩስያ፡ ኣብ ኤርትራ ብርክት ኣብ ዝበሉ ፕሮጀክትታት-ኢንቨስትመንት ንምውፋር ድልየት ከምዘለወን`ውን ካብ ሩስያ ተሓቢሩ`ሎ።
Russia-Eritrea
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:06 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG