ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`2% መሕወዪ ግብሪ ምኽፋል መሰልና`ዩ ` ሓንቲ ካብ መራሕቲ ኮሚኒቲ ስቶክሆልም


ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኢምባሲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ዘኽፍሎ 2% ቀረጽ ንምትራፉ ዓሊሙ ናብ ፓርላማ ሽወደን ዝቐረበ ንድፊ ተነጺጉ`ሎ።

ነቲ ንድፊ ዘውደቑ ኣባላት ፓርላማ፡ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ መንግስታት ኣብ ወጻኢ ቀረጽ ከኽፍሉ ፍቑድ`ዩ ይብሉ።

ካብ`ቶም ነቲ ምኽፋል ቀረጽ ጠጠው ከብሉ ዝፈተኑ ኣባላት ፓርላማ ሓደ ዝኾነ ኤርትራዊ ስዊድናዊ ኣቶ ኣርሐ ሓመድናካ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ስለዘየሎ፡ ክተርፍ ዝነበሮ`ዩ ይብል።

ካብ መራሕቲ ኮሚኒቲ ሽወደን ሓንቲ ኤደን ከበደ ብወገና፡ እቶም ይትረፈልና ዝብሉ ካልእ ዕላማ ዝሓዙ ከፊሎም`ውን ዘይፈልጡ`ዮም ትብል “ንሕና ግን ናይ ምኽፋል መሰልና ተጠቒምና ክንከፍል ኢና”

ምስ ኤደን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ` ሎ፡


Eden-Kebede
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:09 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG