ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንእማመ ሰላም 3ተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምላሽ ይህብ


Yemane Gebreab, political advisor to Eritrea President Isaias Afewerki
Yemane Gebreab, political advisor to Eritrea President Isaias Afewerki

`ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብምጽባእ ትረኽቦ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የለን`

ሰለስቲኦም ዲፕሎማት ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይሕጋዊ እገዳ ክልዓል ምድጋፎም፡ ነቲ ብዓለም-ድረጃ ዘሎ ሓባራዊ ኣጠማምታ`ቲ ጉዳይ ዘንጸባርቕ እዩ ኢሉ ኣቶ የማነ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ጠንቁ ካብ ታሪኽ ተተሓሒዙ ዝመጸ ተጻብኦታት 60 ዓመት ዘረጋግጾ`ዩ ኢሉ። “ዝምድና ምስ ኣመሪካ ንምምሕያሽ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ክውሰድ ዝጸንሔ`ውን ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ኣይተረኽቦን”

እቲ ጸገም ናይ ኣመሪካ ኣጠማምታ`ምበር ናይ ኤርትራ ኣተሓሕዛ`ቲ ጉዳይ ኣይኮነን ዝበለ ኣቶ የማነ “ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብምጽባእ ትረኽቦ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የለን” ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ብሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ምላሽ ን3ተ ዲፕሎማት ክዛረብ ከሎ ኣቶ የማነ “እቲ በሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ርኢቶታት ነቲ ሓቀኛ ስሚዕቶም ናይ ተጻብኦን ጽልእን መንፈሶም ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ ጋህዲ ኮይኑ ምውጽኡ ጽቡቕ `ዩ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ናይ ባዕሎም ናይ ወያነ ኣይኮነን”፡ ይብል።

ናይ ኣመሪካ መርገጺ ግን ንኤርትራ ንምህሳይ ተባሂሉ ዝተገብረ`ኳ እንተኾነ ንዝጠቐሞ ሰብ የለን ንኢትዮጵያ`ውን ሃሲዩዋ`ዩ ይብል ኣቶ የማነ ።

ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡
Yemane Ghebreab
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:45 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG