ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጅቡቲ ዘለዉ ዑቕባ ሓተቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣለና ኢሎም ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ`ታ ሃገር ግን ኣይፈለጥናን ይብል


Camp Lemonnier, Djibouti
Camp Lemonnier, Djibouti

ሓተቲ ዑቕባ ክንስና ከም እሱራት ተታሒዝና ኣለና ይብሉ። ሚንስተር ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ግን ኣተሓሕዛ ኣየኽፋእናን ይብል

ሎሚ ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ክልተ ኤርትራውያን፡ ጉዳይና ተረሲዑ ኣብ ማሕዩር ንሳቐ ኣለና ኢሎም። ሕቶኦም ወይ ነጻ ክሰድዎም ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር መንገዲ ክኸፍትሎም ምዃኑ`ውን ይገልጹ።“ስግኣት ፀጥታ ስለዝኾንኩም፡ ኣይንሰደኩምን ይብሉና”

ብዛዕባ`ዚ መልሲ ክህቡ ዝተሓተቱ ሚንስተር ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝፈለጥክዎ ነገር የለን፡ ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛኦም ግን፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ወከልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀያሕ ወርሕን በብሰለስተ ወርሒ ክበጽሕዎም ንገብር ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ`ሎ
Eritreans in Djibouti
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:24 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG