ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናትናኤል ብርሃነ፡ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ስፖርተኛ 2013 ተባሂሉ ተሰይሙ


Lola Karimova-Tillyaeva, O'zbekistonning UNESCOdagi doimiy vakili, prezident qizi.12-mart, O'zbekiston elchixonasi, Vashington.
Lola Karimova-Tillyaeva, O'zbekistonning UNESCOdagi doimiy vakili, prezident qizi.12-mart, O'zbekiston elchixonasi, Vashington.

“ናትናኤል፡ መጻኢ ስፖርት ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝውክል`ዩ”, ኣሰዳኢ Africa Top Sports, Steven Nabon

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብ`ቲ ኮኸብ ስፖርተኛ ኣፍሪቃ 2013 ንምምራጽ ዝተገብረ መስርሕ፡ 48% ድምጺ ብምርካብ`ዩ ተዓዊቱ። “ናትናኤል ዓቢይ ኣትሌትን መጻኢ ስፖርት ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝውክልን`ዩ” ኢሉ Steven Nabon.

ክልኣይ ዝወጸ፡ ወዲ ኣይቮሪኮስት ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ያህያ ቱረ`ዩ።

ኣብ 2013 ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዝተፈላለየ ዓወታት ዝሓፈሰ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሽልማቱ ንክቕበል ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘምርሕ ኣፍሊጡ`ሎ።

Africa Top Sports, ንኢትዮጵያዊት ጥሩነሽ ዲባባ`ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍልጦ ካብ ዝሃቦም ኣትሌታት ሓንቲ`ያ ኔራ። “ኢትዮጵያውያን ጎየይቲ ኩርዓት ኣፍሪቃ`ዮም”

ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣብ ፈረንሳ ምስ ጋንታ Europcar ተጠርኒፉ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ምውዳእ `ዚ ወርሒ`ውን ኣብ`ቲ ኣብ ጋቦ ዝካየድን ኤርትራ ብጋንታ ሃገር ትወዳደረሉን፡ ናትናኤል ፈረንሳዊት ጋንታ Europcar ወኪሉ ክጋጠም`ዩ።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡
Natnael Birhane and Steven Nabon
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:28 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG