ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ይበጋገስ ኣሎ-UN


UNDP
UNDP

ስምምዕ መስርሕ ምትሕብባር ስትራተጂያዊ ሽርክና ድሕሪ ምፍራሙ ርክብ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ኤርትራን እናተመሓየሸ ይኸድ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢለን ሓንቲ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ሕቡራት መንግስታት

ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ክስርስቲን ኡሙቶኒ: ሓደ ዝለዓለ ኣባል ልኡኽ ጉጅለ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ማዕልታት ዑደት ብምፍፃም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቡ እየን ነዚ ዝገለፃ።

እቲ ብዓብዱላየ ማር ዲየ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት፣ኣብ ኣፍሪካ ዳይረክተ ዞባዊ ቢሮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት/UNDP/ ኣቦ መንበር ጉጅለ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ዝምራሕ ሽዱሽተ ዞባዊ ዳይረክተራት UNDP፣ UNICEF፣UNFPA፣ ILO፣ IOMን and WFPን ዝሓቖፈ እዩ።

ክሪስቲን ኡሙቶኒ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅኦ እቲ ልኡኽ ንናይታ ሃገር ኣጀንዳ ዘላቒ ልምዓት ንምሕጋዝ መስርሕ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ዝጠናኸረሉ ኣገባብ ምስ ሰበስልጣን ተዘራሪቡ’ሎ። "እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ እታ ሃገር ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ልማዓት ኣጀንዳኣ ንምዕዋት ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ምትሕብባራት ንምጥንኻርን ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ጉዕዞ ሓገዝ ንምግባር ድልዊ ምዃኑ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምርግጋፅን እዩ።"

ንሰን ብምውሳኽ ርእሰ- ሙርከሳን መንገዲ ልምዓትን ንዝብል ራእይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህናፅ ምስ ቁልፊ ትካላትን መሻርኽቲ ልምዓትን ብምዝርራብ ሕቡራት መንግስታት ንመንግስቲ ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምጥንኻርን ንምዕማቕን ዝከኣለሉ እውን ምዝርራቡ ሓቢረን።
ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ኤርትራን ስምምዕ መስርሕ ምትሕብባር ስትራተጂያዊ ሽርክነት ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን እቲ ርክብ ምምሕያሹ ዘርኢ እዩ ምስ በላ ናይ ሕዚ ብዝለዓለ ደረጃ ዝምራሕ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ናብ ኤርትራ ምምፅኡ እውን ነዚ ዘጠናኽር እዩ ኢለን።
Eritrea-UN-Delegation
Eritrea-UN-Delegation
ኤርትራ ንናይ ሱማሊያ ናዕበኛታት ትሕግዝ እያ ብዝብል ኽሲ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐባት ምንባሩ ይዝከር።ኤርትራ ነቲ ናይ ሕዚ መንግስቲ ሱማሊያ ኣፍልጦ ሂባቶ እያ።መንግስቲ ኤርትራ ንፅምዶ ድልየት ከምዘለዎ ምዕዛበን እውን ይገልፃ።


መንግስቲ ኤርትራን እቲ ጉጅለ ልኡኽን ኣብ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጉዳያት ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ዕድል ዝፈጠረ እንተኾይኑ ተሓቲተን "ከም ናይ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ጉጅለ እቲ ልኡኽ ብቐንድነት ኣብ ልምዓታዊ ምትሕብባር ዘተኮረ እዩ።መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ክረክብ ከሎ ናይታ ሃገር ኩነታት ንልኡኻት ሓበሬታ ንምሃብ እውን ይጥቀመሉ እዩ።እንተኾነ እዚ ጉጅለ ልኡኽ እዚ ብፍላይ ግን ብዛዕባ ናይ ልምዓት ምትሕብባር ክዘራረብ እዩ መፂኡ" ኢለን።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽ ብዛዕባ ምዕዋት ሸቶታት ልምዓት ሚሊኒየም ማለት እውን ኣብ ጉዳይ ድኽነት፣ትምህርቲትን ከባቢያዊ ሓለዋን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምዝርራቡ ገሊፀን ኣለዋ እተን ኣተሓባባሪት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ።

Listen to the program-on-UN-Eritrea
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG