ስነ-ጥበባዊ ስዒድ ብርሃኑ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ዘውጽኣ ኣብ መርዕኡ ዝተጻወታ ደርፊ ካብ መንጎ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ዝለዓላ ደርፍታት ኮይና`ላ።
እታ ደርፊ፡ ካብ ህርመታ ጀሚሩ ክሳብ`ቲ ኣብ ቪድዮ ተቐሪጹ ዘሎ ምርኢት ተሳተፍቲ መርዓ፡ ፍሉይነት ኣለዋ።
ኣብ`ዚ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ተዓዲሙ`ሎ።
ካልእ ኣብ`ዚ ፕሮግራም ትረኽብዎ፡ ብዛዕባ`ቲ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ዝኣቱ ጳጉሜን`ዩ። ኣብ`ቲ ባህላዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ካሕሳይ ገብረዝግኣብሄር ካብ ኣዲስ ኣበባ ተዓዲሙ`ሎ።
መደብ ቂሔ-ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡