ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙዚቃ ትግርኛ በቲ ዝግባእ ናህሪ ይዓቢኣሎ ይብሉ ሰብ-ሞያ እቲ ዘፈር


ሙዚቃ ንህዝቢ ኣብ ምቅርራብ ዓብዩ ሓይሊ ኣለዎ'ውን ይብሉ

ናይ ሎማዕንቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዛዕባ ምዕባለ ሙዚቃ ትግርኛ ዝጠመተ እዩ።ብዛዕባ ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ትግራኛ፡ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምቅርራብ ሙዚቃ ብዛዕባ ዘለዎ ሓይሊ ከምኡ’ውን ኪነጥበባዊያን ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተናን ውዘተ ክድህስስ እዩ።ኣጋይሽና ንከባቢ 24 ዓመታት ኣብ ሓፈሻዊ ምክፍፋል ሙዚቃን ተዛመድቲ ስራሕትን ዝተዋፈረ ደበሳይ ሃብተፅዮን ካብ ኣስመራ ኣብ ናይ ትግርኛ ደርፍታት ናይ ቪዲዮ ፕሮዳክሽን፡ክሊፓትን ዶክመንታሪ ፊልምታትን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝሰርሐን ይሰርሕ ዘሎን ቴድሮስ ሃይለሚካኤል እዮም።

ክልቲኦም ኣጋይሽ ናይ ትግርኛ ሙዚቃ በቲ ዝግባእ ናህሪ ምዕባልኡ ይግስግስ ከምዘሎ ይሕብሩ።እንተኾነ ግን ይብሉ ኪነጥበባዊያን ኣብ መሰል ዋንነት ማለት እውን ኣብ Copy Right ዘጋጥሞም ዘሎ ቀንዲ ሽግር ምዃኑ ይገልፁ።ዘይሕጋዊያን ኣሕተምቲ ስራሕቶም ብቐሊሉ እናባዝሑ ስልዝሸጡሎም መሰሎም ይጥሓስ ኣሎ ይብሉ።ህዝቢ ኦርጂናል ቅዳሕ ብምግዛ ንኽትሓባበሮምን ንኸተባብዕምን እውን ይምሕፀኑ።

ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምቅርራብ ሙዚቃ ዓብይ መሳርሒ’ውን እዩ ይብሉ።ምሉእ ትሕዝትኡ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG