ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣቡነ ዮሃንስ ኣብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ይሃንፅ’ሎ


ኣብ ሸራሮን ሑመራን ንመህጠሪ እንስሳ ዝውዕል 13 ሄክታር መሬት እውን መንግስቲ ከምዝሃቦም ተዛሪቦም

ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣቡነ ዮሃንስ ኣብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ይሃንፅ’ሎ፡፡እቲ ሆስፒታል ብዋናነት ንግዳያት ኤች ኣይቪ ኤይድስን ኣለይቲ ንዘይብሎም ህጻውንትን ዘገልግል እዩ፡፡

እቲ ቤተ ሕክምና ግልጋሎት መጥባሕቲ፣ግልጋሎት ወሊድ፣ ኩለመዳይ ሕክምናን ክንክን ጥዕናን ክህብ ዘኽእል ዝተማለአ ዓቕሚ ንኽህልዎ ተሓሲቡ እዩ ዝህነፅ ዘሎ፡፡

መስራትን ዋና ኣማሓዳርን እቲ ማሕበር ዶክተር ገብረሃወርያት ኣርኣያ ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ መቐለ ብኣቡነ ዮሃንስ ዝዓበዩ 200 ቆልዑ እዮም፡፡

ንህንፀት እቲ ቤተ ሕክምና ኣብ ጀርመን ሀምበርግ ዝርከብ Build ዝተባሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ከምዝሓገዘ ዶክተር ገብረሃወርያት ገሊጾም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሸራሮን ሑመራን ንመህጠሪ እንስሳ ዝውዕል 13 ሄክታር መሬት እውን መንግስቲ ከምዝሃቦም ተዛሪቦም፡፡

እቲ ቤተ ሕክምና ኣብዚ ሐዚ እዋን 95 ኢድ ካብ ሚኢቲ ስራሕቲ ህንጸቱ ተሳሊጡ’ሎ፤ ይኹን እምበር ግልጋሎት ክህብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ንኽህልዎ ኩሉ ግዱስ ወገን ክታሓጋገዝ ከምዝግበኦ ዶክተር ገብረሃወርያት ኣርኣያ ፀዊዖም ኣለዉ፡፡

XS
SM
MD
LG