ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኤርትራውያን እናበሉ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፡ኩሎም ኤርትራውያን ኣይኮኑን` ብራንውን ብሩቶን


Bronwyn Bruton VOANEWS
Bronwyn Bruton VOANEWS

`ነቲ ንኤርትራውያን ቅጽበታዊ ዑቕባ ዘውህብ ፖሊሲ ኤውሮጳ መዝሚዞም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ካልኦትን ብዙሓት`ዮም`

ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ኣብ ጸብጻባት ዜና ዘይስማዕ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከምዘሎ ብራንውን ብሩቶን ትገልጽ። “ ብተነጽሎ ምንባር ክኢሎሞ`ዮም፡ ነቲ ዘዐውትዎ ነገራት ግን ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ`ዩ”።

ሚስስ ብሩቶን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክትዛረብ ከላ፡ “እቲ ማዕቀብ ምቕጻሉ ምኽንያታዊ ኣይኮነን፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምዘይትድግፍ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ከይተረፈ ተሰማሚዕሉ`ዩ” ትብል።

ኢትዮጵያ ንውሳነ ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ ዘይተኽብር ዘላ፡ ኣውሓሲት`ቲ ውዕል ዝኾነት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ቃላ ክተኽብር ስለዘይሓዘታ`ዩ ትብል።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዘሎ ምሕዝነት ክመሓየሽ ዘይክኣለ ከም በዓል ኣማኻሪት ሃገራዊ ድሕነት ሱዛን ራይስ ዝበሉ ኣብ`ቲ ሰንሰለት ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ምህላዎም`ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ ብራንውን።

ብራንውን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ሃይማኖታት ዝፍጸም በደል ከምዘሕዝና ገሊጻ`ላ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ስምዕዎ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:40 0:00

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG