ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኽሊ ካዛቫ ዘላልዩ ዘለዉ ወላዲ


Cassava
Cassava

ካሰቫ ልዑል ምግባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ተኽሊ እዩ፡፡ ብዝበለፀ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝርከብ ተኽሊ እንትኾን ኣብ ዓለምና ልዑል ምህርቲ ብምርካብ ናይጀርያ ቀዳምነት ትስራዕ

እዚ ተኽሊ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብውሱን ደረጃ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንኽልመድ ይፃዓር’ሎ፡፡ ኣብዚ ውራይ እዚ ወፊሮም ዘለዉ ወላዲ ኣይተ ኪሮስ ዳኘው ይባሃሉ፡፡

ኣይተ ኪሮስ ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለን ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ቆቦን ተኽሊ ካዛቫ ተኺሎም ካብቲ ተኽሊ ዝተረኸበ ምህርቲ ሰባት ክጥዕምዎን ኣፍርዮም ክረብሑን ብተግባር ይምህሩ ኣለዉ፡፡

ሕሩጭ ካዛቫ ምስ ጣፍን መሸላባሕርን ተሓዊሱ እንጀራ ይስንከት፣ ይጋዓትን ይሕምበሽን’ሎ፡፡ ኣይተ ኪሮስ ህዝቢ ብምግቢ ዓርሱ ንክኽእል ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ከም ካዛቫን ሞሪንጋን ብበዝሒ ተኺልካ ክልመድ ልዑል ጠመተ ከምዘድልዮ እዮም ዝዛረቡ፡፡

ካዛቫ ካብቶም ሓይሊ ዋሃብቲ ዝባሃሉ ንሩዝን ዒልቦን ስዒቡ ብሳልሳይ ብርኪ ዝስራዕ ተኽሊ እዩ፡፡ ምግቢ ካዛቫ ብፍላይ ንድፍኢት ደምን ውፅኣትን፣ ንሕማም ርእስን ቃንዛን ፍቱን መድሓኒት ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
Cassava
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:30 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG