ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪ በዓል ምስረታ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ - ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ


Embassy of Ethiopia
Embassy of Ethiopia
ብምኽንያት እቲ ፌስቲቫል ብርእሰ ምምሕዳርን ኣቦ መንበር ህውሓትን ኣባይ ወልዱ ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

መበል 39 ዓመት ምስረታ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ/ማተሰኣ/ ኣብዝሓለፉ ማዕልታት ኣብዚ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብድሙቕ ተኸብሩ’ሎ።ኣቲ ፌስትቫል ንሰለስተ ማዕልታት ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ዝተኻየደ እንትኸውን ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝመራሕ ጉጀለ ሰበስልጣን መንግስትን ሓለፍቲ ማሕበር ልምዓትን ትግራይ እውን ተረኺቦም።

ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተረኸበ እንትኸውን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ተፈላለዩ ዘፈራት ብሓፈሻ ዛጊድ ዝሰርሖም ስራሕቲ ልምዓት ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ብፓወር ፖይንት ዝተደገፈ በቲ ጉጅለ ልኡኽ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ድሕሪ እቲ መግለጺ ካብቲ ተኣካባይ ካብ ሰናይ ምምሕዳር ክሳብ ግብሪ፣ካብ ንግዲ ክሳብ ፖሊሲ ሊዝ፣ካብ ፍትሒ ክሳብ ግዕዝይና፣ካብ ጸጥታ ክሳብ ኢንቨስትመንት ወዘተ ሕቶታት ቀሪሪቦም ብኣይተ ኣባይ ወልዱ ሰፊሕ መልስን መብርህን ተዋሂቡ።

ቀዳም መሸት እውን ብዙሕ ህዝቢ ዝተረኸበሉ ኣብ ዋሽስንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኦሚኒሾርሃም ድሙቕ ጓይላ ተኻይዱ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:15 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG