ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዕውትን ተነቃፊን ገጻት ነይሩዎ' ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን


ኣሉላ ሰሎሞን

ኣብ ላስ ቤገስ ኒቫዳ ዝተካየደ ዓመታዊ ፌስቲቫል ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ክልተ መልክዓት ሒዙ ከምዝተዝዘመ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ማተሰኣ ኣቶ ኣሉላ ሰሎምን ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ኣቶ ኣሉላ ብሓደ ገጽ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ዝተኸሰተ ሓጎጽጎጽ ካብ ምሕታት ቪዛ፣ ዝተፈቀደሎም ዶላር ኣሜሪካ ሒዞም ዘይምምጻእ፣ ዝተጠቐምሎም መዕርፎ ነፈርቲን ካልኦትን ከምኡውን ንገሊኦም ምርኢታትን ኣኼባታትን ዝተታሓዙ ኣዳራሻት ጉድለት ዝተራኣየሎም'ዮም ይብል።

ብካልእ ወገን ወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣኼባ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዘሳለጦም ኣኼባታት ዕውታት ከምዝነበሩ ኣቶ ኣሉላ ጠቂሱ።

ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ንድምጺ ህዝቦም ዘቃልሕሉ መደረኻት ምስ ወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ከምዘሕለፉ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ምምራጽ ኣዳራሽን ዝኣምሰሉ ጸገማትን ንዝተኸሰቱ ጉድለታት ማተሰኣ ብግልጺ ተሓታታ ከምዝኾነ ገሊጹ'ዩ፣ ይቕሬታ'ውን ኢሉ''ዩ ይብል ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG