ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተዛረብቲ ትግርኛ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም


ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ትግርኛ ተዛረብቲ ተጋሩ ብበዝሒ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም።ኣብ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝን ዝነብሩ ከምዝገለፁልና ኣብ ንግድን ስራሕ መንግስትን ዝተዋፈሩ ይእሰሩ ከምዘለው ገሊፆም።ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣባላትን መራሕትን ህወሓትን ነጋዶን 30 ተጋሩን ሸውዓት ኣባላት ኦነግሸኔን ኣብ ቁፅፅር ወዒሎም ኣለው።እቲ ማእሰርቲ ቀፃሊ እዩ ኢሎም።ኣብ ጋምቤላ እውን ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ግጭት ክፈጥሩ ፈቲኖም ዝበሎም 19 ኣባላት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ሃገራዊ ድሕነት ኣፍሊጡ።ብኻሊ ወገን ላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ ትግርኛ ተዛርብቲ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዕጥቖም ፈቲሖም ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ከምዝተኣዘዙ ንቪኦኤ ገሊፆም።ብኻሊእ ዜና ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዓለምለኸ በረራ ከይገብሩ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ከምዝተኸልከሉ መንገደኛታት ገሊፆም።

ሽሞም ክግልፀሎም ዘይደለዩ ነባራይ ከተማ ጋምቤላ ኣብቲ ከባቢ ይኸውን ብዛዕባ ዘሎ ተሓቲቶም ‘’ኣብ ከተማ ጋምቤላ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዕጥቖም የፍትሑዎም ኣለው’’ ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ተኣሲሮምን ይእሰሩን ኣለው ክብሉ ሽሞም ዘርዚሮም ኣለው።

ብተተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብሓይልታት ፀጥታ ይእሰሩ ከምዘለው ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ነጋዳይ ገሊፆም።ኣብታ ከተማ ወነንቲ ኣለው ዝብሃሉ ናይ ንግዲ ትክላትን ሆቴላትን ይእሰሩ ኣለው ይብሉ እዞም ብስልኪ ዘዘራረብኩዎም።

ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ክልል ኮሚሽነር ዓብዲ ዓዚዝ መሓመድ ኣብቲ ክልል ፀገም ንምፍጣር ዝንቀሳቐሱ ኣባላትን መራሕትን ህወሓት ከምኡ እውን ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ 30 ትግርኛ ተዛረብቲን ሸውዓት ኣባላት ኦነግ ሸኔን ብድምር 37 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ገሊፆም።እቲ ማእሰርቲ ከምዝቕል እውን ሓቢሮም ኣለው።

ሃገራዊ ድሕነት ብወገኑ ኣብ ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ግጭት ንምፍጣር ውዲት ይፈጥሩ ነይሮም ዝበሎም 19 ኣባላት ህወሓትን ኦነግን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅ ምውዓሉ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ፀቢበን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትግርኛ ተዛረብቲ ብምዃኖም ናይ ወፃእን ውሽጥን ሃገር በረራ ከይንገብር ተኸልኪልና ኢሎም መንገደኛታት።

ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብር ነጋዳይ ኢትዮጵያዊ ሃገር ሰላም ኢሉ ንምጉዓዝ ናብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ከምዝኸደን ኣብኡ ግን ዘይገመቶ ነገር ከምዘጋጠሞን ይገልፅ።’’ተጋሩ ንዘይተወሰነ እዋን ከይጉዓዙ ተኸልኪሉ እዩ ኢሎምኒ።ኣዚየ እየ ሓዚነ’’ ኢሉ።

ንሱ ብምውሳኽ ኣብ እዋም ደርጊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ነይሩ ዝበሎ ብምዝኽኻር ታሪኽ ንርእሱ ይደግም ኣሎ፤ተወልደቲ ትግራይ ኣብ ዓዶም ከይወፁ ኢልካ ምኽልካል ዘሕዝን እዩ ኢሉ።

ካብ ኢምግረሽን ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ይኹን ካብ ካልኦት ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ብኻሊእ ወገን ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ዕጥቖም ፈቲሖም ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ከምዝተኣዘዙ ዘዘራረብናዮም መኮነናት ገሊፆም።ዝተውሃቦም ምኽኒያት ‘’ንድሕንነትኩም’’ ዝብል ከምዝኾነ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ካብ ዝተመደቡ ንድሕንነቶም ክብሉ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ መኮነናት እቲ ውሳነ ምድንጋር ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም።ዝርዝሩ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተዛረብቲ ትግርኛ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:34 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG