ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስፍራ ትግራይን ተጋሩን ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ (2ይ ክፋል)


ክልል ትግራይ
ክልል ትግራይ

‘ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንኹሉ ዘስክፍ’ዩ። እቲ ጸገም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ መልክዑ እናቀየረ እናገደ ህይወት ሰብን ንብረትን ይተፍእ ኣሎ፣ ናብ ዘይንወጾ ቅልውላው ንከይንኣቱ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ኢና ንርከብ’ ይብል ዘጸኣት።

ኣብ’ቲ ፖአቲክዊ ቅልውላው ብሓደ ወገን ቀደም ስለዝተሳዓርና ሕነና ክንፈዲ ባሃልቲ ብሕልፊ እቶም መራሕቲ ዕድመኦም እናደፍአ ስለዝርከብ ተጓዪና ስርዓት ኢትዮጵያ’ውን ተዳኺሙ ስለዘሎ ቀልጢፍና ነጽድፎ ዝብሉ ከምዝኾኑን፣ ከም ግብጺ ካብ ዝኣምሰሉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዋላ’ውን ካብ ሰይጣን ይኹን ሓገዝ ረኺቦም ነዚ ስርዓት’ዚ ሰው ከብልዎ ይደልዩ’ዮም’ ይብል።

ኣቶ መረሳ ብወገኑ ‘ኣብ ወሳናይ መድረኽ ኢና ንርከብ፣ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብቅርጽና ይኹን ብትሕዝቶና ከምኡ ኢልና ንቕጽል ኣይመስለንን። እቶም ሓደሽቲ ዝተፈጠሩ ለውጥታት ከምዓብዪ ነገር ገይርና ክንወስዶም ንኽእል ኢና’ ይብል።

‘ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበሩ ኣጀንዳታት ብዛዕባ ህዳሴ፣ ህብረ ብሄራዊነት፣ ሃገራዊነት፣ ሕገ መንግስታዊነት ነይሮም፣ ሎሚ’ውን እቲ ኣባሃህላ ናብ ግጭት ብሄራትን ሓድነትን ዕጻና'ታይ ይኹን?’ ዝብል ተቐይሩ በለ ኣቶ መረሳ።

ክልቲኦም ኣጋይሽ ‘ትግራይ ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ቦታ ክትሕዝ እንተኾይኑ ሙሁር ሓይሊ፣ ጥዑይ ወለዶን ሓያል ቁጠባዊ ዓቅሚን ክትውንን ይግባእ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:16 0:00

XS
SM
MD
LG