ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

7.1 ሚልዮን ቅርሺ ንካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ተወፊዩ


ኣብ ስዑድ ዓረብያ ከተማ ጅዛን ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ተጋሩ ቤተ እሰራኤላዊያንን ንተመዛበልቲ ተጋሩ ልዕሊ 7.1 ሚልየን ብር ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

ነቲ ሓገዝ ንመንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘረከብሉ እዋን ዝተረኸቡ ተወካሊ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ጅዛን ስዑድ ዓረብያ ኣይተ ኣብረሃም ወልደስላሰ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዉሽጢ 5 ኣዋርሕ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ዝኸውን 6 ሚልየንን 724 ሽሕን ኣዋፂኦም ኢሎም።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ከተማ ቤርሻቤህ ዝርከቡ ቤተ እስራኤላውያን ተጋሩ ድማ 419 ሽሕ ብር ሓገዝ ለጊሶም::

ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊነን: ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩ ፀገም እቶም ተመዛበልቲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ኢለን::

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ተጋሩ ንምሕጋዝ ምንቅስቕስ ካብ ዝጅመር ዛጊድ 111 ሚሊዮን ብር ከምዝተኣከበ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣፍሊጡ::

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 115 ሽሕ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ይርከቡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG