ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 115 ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ መቱ ንደሕንነቶም ክብሃል ናብ ጋምቤላ ተወሲዶም


mettu
mettu

ልዕሊ 115 ተጋሩ ተማህሮ ዩኒቨርስቲ መቱ ንደሕንነቶም ክብሃል ናብ ከተማ ጋምቤላ ተወሲዶም ኣብ ዩኒቨርስቲ ጋምቤላ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።

ቅድም ክብል እውን ናብ ጋምቤል ዝሃደሙ ተምሃሮ ከምዝነበሩን ብዝርርብ ምስ ተመለሱ ግን ተምሃሮ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ብዳርባ እምኒ ከምዝተቐበሉዎምን ኣብ ሓደ ካምፕ ብፖሊስ እናተሓለው ንኣርባዕተ ማዕልታት ከምዝፀንሑን ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ተምሃሮ ገሊፆም።

ብሰበስልጣን መንግስቲ ናብ ጋምቤላ ከምዝትወስዱ እቶም ተምሃሮ ዝገልፁ ክኾኑ ከለው እቶም ተምሃሮ ኣብዚ ስዓት እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጋምቤላ ከምዝርከቡ ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ጋትሉዋክ ቱት ንቪኦኤ ገሊፆም።

ተምሃሪት ራብዓይ ዓመት ዝኾነ ሓንቲ ካብ መቱ ናብ ጋምቤላ ብኣውቶቡስ ካብ ጋምቤላ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብነፋሪት ከምመፀት ብምሕባር እቲ ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ተስፋ ዘቑርፅን እዩ ክትብል ገሊፃቶ’ላ።ንቕድሚት ናብ መቱ ንምምላስ ሓሳብ ከምዘይብላ እውን ሓቢራ’ላ።

ካብ ሰበስልጣን ክልል ኦሮሚያ ሓበሬታ ንምርካብ ተደጋጋሚ ፈተነ ገይረ ኣይሰለጠንን።መሳርሕትና ጃለነ ገመዳ ዘዘራረበቶም ምኽትል ፕሬዝዳ ዩኒቨርስቲ መቱ ዶ/ር ቂጤሳ ጨመዳ ቅድም ክብል ናብ ጋምቤላ ከይዶም ኣእሚና ምስ መለስናዮም ብኣውቶቡስ ክኣትው ከለው ካብ ጂጂጋ ዝመፁ ተምሃሮ ኦሮሞ እዮም ዝብል ወረ ስለዝነበረ እቶም ካብኣውቶቡስ ዝወረዱ ካልኦት ምዃኖም ምስተረድኡ ግን እቶም ኦሮሞ ተምሃሮ ተናዲዶም ኩነታት ዋዕ ዋዕ ተፈጢሩ ሒዛቶም ዝመፀት ኣውቶቡስ ተመሊሳ ወፂኣ ኢሎም።

ኣብዚ ስዓት እዚ እቶም ተምሃሮ ኣብ ከተማ መቱ እዮም ዘለው እውን ኢሎም ዶ/ር ቂጤሳ።

ናይ ጋምቤላ ፕሬዝዳንት ኣቶ ጋትሉዋክ ቱት ኣብ ኣኼባ ስለዝርከቡ ቃለ ምልልስ ንምሃብ ከምዘይኽእሉ ምስ ገለፁ ካብ መቱ ናብ ጋምቤላ መፂኦም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ተምሃሮ ተሓቲቶም ‘’ኣብ ውሽጢ ዩንቨርስቲ እዮም ዘለው ገና ኣይገምገምናዮን ዘለና።ይቕሬታ ግበረለይ ከዘራርበካ ኣይክእልን’’ኢሎም።

ምሃሮ ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብናይቲ ክልል መንግስቲ ናይ ድራር እንግዶት ከምዝተገበረሎም ተምሃሮ ገሊፆም ኣለው።

ተወሳኺ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:31 0:00

XS
SM
MD
LG