ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ኲናት ኢትዮጵያ፤ ስድራቤታት ዝጠፍኡ ኣዝማዶም የናድዩ


ድሕሪ ኲናት ኢትዮጵያ፤ ስድራቤታት ዝጠፍኡ ኣዝማዶም የናድዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:03 0:00

ድሕሪ ኲናት ኢትዮጵያ፤ ስድራቤታት ዝጠፍኡ ኣዝማዶም የናድዩ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ድሕሪ ምዕራፉ፡ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ዝተዓቝቡ ስደተኛታት ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራቤቶም ንምንዳይ ይፍትኑ ኣለዉ። እቲ ናይ ምድላይ ስራሕ ብመገዲ ኮሜተ ቀይሕ መስቀል’ዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣብታ ንሓያሎ ስደተኛታት ተወላዶ ትግራይ የዕቊባን የዕሪፋን ዝጸንሐት ካርቱም፡ ሕጂ’ውን ሓደስቲ ገጻትን ስደተኛታትን ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ተርእዮ ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ’ዩ። እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ድሕሪ ምዕራፉ’ውን፡ ውሑዳት ደኣ ይዅኑ እምበር፡ ስደተኛታት ምምጻእስ ኣየዕረፉን።

ንድሕነቱ ጌታቸው ኢልና ክንጽውዖ ዝመረጽና ሓደ ካብቶም ሓደስቲ መጻእቲ’ዩ።

ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ መስመር ስልኪን ካልእ መራኸቢታትን ብምጅማሩ ከም ጌታቸው ዝኣመስሉ ብዙሓት ዜጋታት ደሃይ ዝጠፍኡ ኣዝማዶም ኣብ ምግባር ይርከቡ።

ጌታቸው እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንኣቦኡ ኣይረኣዮን። ጌታቸው ኣቦኡ ኣብቲ ኲናት ከም ዝተሳተፈ’ዩ ዝሕብር። እንተዀነ ንሱን ኵላቶም ኣባላት ስድራኡን ብዛዕባ ሃለዋት ኣቦኡ ከም ዘይፍልጡ ይነግር። ንመን ከም ዝሓትት ከም ዘይፍልጥ ድማ ይዛረብ።

ካብ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀል ንስድራቤት ከራኽቡ ይሰርሑ ኣለዉ። ከም በዓል ጌታቸው ዝኣመስሉ፡ በቲ ኲናት ንዝተጣፍኡ ስድራቤታት ሓያሎ’ዮም።

ኣንድርያስ ናዚሽ ሻዲን ኣብዚ ጉዳይ ዝሰርሕ ኣባል ኮሚተ ቀይሕ-መስቀል’ዩ።

“ደሃይ ዝተጥፍኡ ስድራቤታት ምስ ዝህሉዉ፡ ከነራኽቦም ንሰርሕ። እቲ ስራሕ ምስ ኣብ ደገን ውሽጢን ዘለዉ ወገናት ብምርኻብ ዝግበር እለሻ’ዩ።”

ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀል ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ክነጥፉ ካብ ዝተፈቕዶም ትካላት ሓደ’ዩ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ክልተ ወገናት ኢትዮጵያ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ። እንተዀነ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጓኒፉ ክኸውን ዝኽእል ወፍሪ ምጽናት ዓሌት ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸይድ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ጋዜጠኛታትን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናብቲ ቦታ ኣትዮም ብቐረባ ክምርምሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ፍቓድ ኣይረኸቡን።

ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ዝጠፍኡን ዝሞቱን ሲቪላውያን ዜጋታት ግምታት እንተለዎም ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቶም ነይሮም። ፓስካል ካታት ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሱዳን’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከብርህ እንከሎ ድማ፤“ብዛዕባ’ዚ ጭቡጥ ኣሃዝ የብለይን። ኣሽሓት ግን ዝጠፍኡ ስድራቤቶም ከናድዩ ይመጽኡና’ዮም። ድሮ ዘራኸብናዮም ዓሰርታት ስድራቤታት ኣለዉ። ሕጂ ምስ ምኽፋት መራኸቢታት ድማ እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል እትስፎ፡” ይብል።

ንሱ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኦም ከምዚ ዝመስሉ ጉዳያት ግዜ ዝወስዱ’ዮም። እዚ’ውን ኣብ መወዳእታኡ እንተ ሰሊጡ’ዩ።

ጌታቸው ግን እለሻኡ ኣየቋረጸን።

ንስድራኡ ደዊሉ ብዛዕባ ሃለዋት ኣቦኡ ከም ዝሓተቶም ይሕብር። እንተዀነ ንሳቶም’ውን መልሲ የብሎምን። ካብ ወለዱ ተፈልዩ ክነብር ከም ዘይክእል ጌታቸው ይጠቅስ።

ፈተነታቱ ውጽኢት ዝርከብ ኣይመስልን። ተስፋ ግን ዝቖርጽ ኣይመስልን።

XS
SM
MD
LG