ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዛጊድ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ እሱራት ተወላዶ ትግራይ


ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዛጊድ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ እሱራት ተወላዶ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:17 0:00

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዛጊድ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ እሱራት ተወላዶ ትግራይ

ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶሪያን ህወሓት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ሽብር ምስራዝን ስቪላትን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይን ሕዚ እውን ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ገሊኦም እውን ኣበይ ከምዘለውን ከምዘይፍለጥ ተሓለቕቲ መሰላት፣ ሰብ-ሞያ ሕጊ፣ስድራን ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ዝተፈትሑ ውልቀሰባትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ካብ ሰበስልጣን ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ግን ምስ ኵናት ተኣሳሲሩ ዝተኣሰሩ ሰባት ዝፍትሕሉ መምርሒ ወጺኡ እዩ ዛጊድ ተኣሲሮም ዝርከቡ እንተሃዮም ድማ ንምስማዕ ድሉዋት ኢና ኢሉ ኣሎ።

ውግእ ክልል ትግራይ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ኣማኢቲ ኣሽሓት ሰባት ኣጥፊኡ ፣ ንሚሊዮናት ኣመዛቢሉ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሱዳን ክስደዱ ገይሩ፣ ብቢሊዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ኣዕንዩን በሊዑን ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ስቪላትን ወታሃደራት ኢትዮጵያን ክእሰሩን ገይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣዕናዊ ኵናት ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ተላዒሉ፣ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓትን ላዕለዎት መኮነናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይን ዝርከቡዎም ወታሃደራትን ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ቤት ተፈቲሖም። ኣብዚ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኲናት ተማሪኾም ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ቀረባ ተፈቲሖም ኣለው። ብሓይልታት ትግራይ ተማሪኾም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ምልቃቖም ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ገሊፆም ነይሮም።

ኣብ ኲናት ተማሪኾም ብፌደራል መንግስቲ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዝነበሩን ካብኡ ዝወፁን እሱራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኩነታት ኣዚዩ ሕማቕ ከምዝነበረ ካብ መቐለ ብስልኪ ዘዘራረብናዮም ይገልፁ።

እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኣዋሽ ቤት ማእሰርቲ ዝወፀ ኣባል ሓይልታት ትግራይ ዝነበረን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ብሕማምን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ብዙሓት ሰባት ክሞቱ ከምዝርኣየን ይዛረብ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረፉ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ እውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ኣለው ይብል።

"ሕክምና ዝብሃል ኣይነበረን፣ናይ ኣመጋግባ ፀገም ነይሩ፣ ኣትሓሕዛ ናይቲ ማእኸል ዘስካሕክሕ ነይሩ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 900 ሰባት ነይርና፣ ህይወቶም ዝስኣኑ ሰባት እውን ኣለው" ይብል።

እቶም ኣብቲ ማእኸል ዝነበሩ ተጋደልትን ስቪላት ተጋሩን ዋላ'ኳ እንተተፈትሑ ሕዚ እውን ኣብኡ ዝተረፉ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ከምዘለው እዚ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ይዛረብ።

"ብፌደራል መንግስቲ ተኣሲሮም ምስ ዝተወሰዱ ዛጊድ ኣበይ ከምዝኣተው ዘይፍለጡ ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ሃለዋቶም ከምዝጠፍኦም ስድራ ኢና ዝብሉ ይገልፁ።

ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ብዓል ቤታ 8 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብወታሃደራት መንግስቲ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ምስ ካልኦት ተወላዶ ትግራይ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ፀንሑ 9 ግንቦት 2013 ዓ.ም ናይ ለይቲ ናብ ኣዋሽ ኣርባ ወሲዶምዎ ክትብል ቃላ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃበት ኣደ ሰለስተ ቆልዑት ‘’ንደሕንነት ብዓል ቤተይ ክብል ሽመይ ይኹን ሽም ብዓል ቤተይ ኣይገለፅ’’ ብምባል ካብ ከተማ መቐለ ብስልኪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ክሳብ ሕዳር 2014 ዓ.ም ቅድም ክብል ሰባት ጌረ ኣጠያይቐ ሕዚ ድማ ተፈቲሖም ካብ ዝወፁ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ምንባሩ ኣረጋጊፀ እየ’’ ብምባል ትዛረብ።

ኣብ ሕዳር 2014 ዓ\ም ሓደ ለይቲ ግን ንዑኡ ሓዊሱ 120 ተወላዶ ትግራይ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ተወሲዶም ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይትፈልጥ ብምግላፅ ስግኣታ ዝለዓለ ምዃኑ ትገልፅ። ልዕሊ ኩሉ ዘተሓሳስባ ድማ ብህይወቱ እንተሃሊዩ እዩ።

ንሳን ካልኦት ከምኣ ስድርአን ዝጠፍኡወንን ብምዃን ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲትና መልሲ ኣይረኸብናን ዝበለት ንሳ ናብ ፌደራል ከይደን ከይሓታ ድማ ፀገም መጎዓዚያን ስግኣት ፀጥታን ስለዘለወን ምዃኑ ትገልፅ።

ድሕሪ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ሕዚ እውን ኣባላት ወይ ደገፍቲ ህወሓት ተባሂሎም በቲ ህወሓት ተኸሲሱዎን ተመዲቡዎን ዝነበረ ግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ዝተፈረዶምን ሕዚ እውን ኣብ ከይዲ ዝርከቡን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ይርከቡ ይብል ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት። በሰብ ሞያ ሕግን ተሓለቕቲ መሰላትን ዝተመስረተን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፍ ከምኡ እውን ዓቕሚ ንዘይብሎ ወገናት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ክንድኦም ዝከራኸር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ ሁማን ራይትስ ፈርስት ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ተሓላቒ መሰላት እዩ። እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ብርክት ዝበሉ ተወላዶ ትግራይ ሕዚ እውን ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፁ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ መግለፂ መብርሂ ዝሃበና ብዓል ሞያ ሕግን ካብ መስረቲ እቲ ትካልን ኣቶ መብርሂ ብርሃነ ከምዚ ይብል።

"ብዛዕባ እዞም ኣብ ጎንደር ተኣሲሮም ዝርከቡ ዝበሎም ዝምልከት ዝርዝር ሽም ሰባት ሒዞም ብአካል ንፍትሒ ሚንስትሪ ኣመልኪትና: ንክልል ኣምሓራ ሕተቱኦም ንሳቶም ዘይፈትሕልኩም እንተኾይኖም ንሕና ክንፈትሐልኩም ኢና ኢሎምና ግን ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታ ናብ ክልል ኣምሓራ ክንኸይድ ኣይክኣልናን ኣብኡ ብዘለው ወከልቶም ሓቲቶም ግን መፍትሒ ኣይተረኸበን" ምስ በለ ኣቶ መብርሂ ክግበር ዘለዎ መፍትሒ ከምዚ ይብል።

"ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት እውን ንባዕሎም ምስተፈትሑን ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረቡ ክስታት ምስተልዓሉን ስቕታ ክመርፁ የብሎምን በቲ ንሳቶም ዝተኸሰስሉ ተኸሲሶም ኣብ ፀግም ንዝርከቡ እውን ድምፂ ክኾኑዎም ኣለዎም መንግስቲ ክኣ ክፈትሖም ኣለዎም" ይብል።

ብዛዕባ እዚ መብርሂ ንምርካብ ናብ ክልተ ምኽትላት ሚንስተር ፍትሒ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋን ኣቶ ኣለምኣንተ ኣግደውን ኣብ ናይ ኢዶም ስልክታት ደዊልና ፃውዒት ኣይምልስን። ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ እውን ስልኮም ኣይልዓልን። ኣብ ከተማ ጎንደርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ምስቲ ኵናት ተኣሳሲሩ ዝተኣሰሩ ዛጊት ኣተፈትሑን ዝብሃሉ መብርሂ ንምርካብ ናብ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ስልኪ ደዊልና ኣይልዓልን።

ብዛዕባ'ዚ ዝተሓተታ ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳይረክተር ጉዳያት ትግራይ፣ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ወይዘሮ ሰላማዊት ግርማይ ናብ ቤት ፅሕፈተን ጥርዓን ኣቕሪቦም ዝተፈትሑ ከምዘለው ከምዝፈልጣ ብምግላፅ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ይኹን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝነበሩ እውን ኣብዚ ሕዚ ስዓት ተፈቲሖም ከምዝኾኑ ገሊፀን።

"ኣብኡ ዘለው ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ናይ ሚሊተሪ ኣባላት ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት እናተፈትሑ እዮም። ኣብዚ ሕዚ ስዓት ግን ከምዝተሰደዱ እዩ ዘለና መረዳእታ።"

ዛጊድ ዝቐረበለን ሓበሬታ ከምዘየለ ብምሕባር ሓበሬታ እንተቐሪቡለን ግን ንምስማዕ ቅሩብቲ ምዃነን ገሊፀን ።

"ናብ ኩሎም መምርሒ ተመሓላሊፉ ከከም ጉዳዮም ዓይነት ብፍላይ ምስእዚ ኵናት ብዝተኣሳሰረን ድሕሪኡ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉን ዳርጋ ኩሎም ብዝብሃል ደረጃ ከምዝወፁ እዩ ዘለና ሓበሬታ። ዘይተለቐቑ ዝብል መረዳእታ እንተሃሊዩ ግን ክንቕበል ኢና።"

እቲ መምርሒ ናብ ኹሉ ወሪዱ እዩ ኣብ ኣፈፃፅማ ፀገም እንተሃሊዩ ግን ክንከታተል ኢና ኢለን።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ እዋን እቲ ኵናትን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምስተፈረመን ማሪኽናዮም ነይርና ዝበሉዎም ወታሃደራት ኢትዮጵያን ወታደራት ኤርትራን ምፍትሖም ገሊፆም እዮም። ክልቲኦም ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ብሓይልታት ትግራይ ተማሪኾምን ተፈቲሖም ዝበሃሉ ይኹን ካብ ሓይልታት ትግራይ ማሪኾም ዝሓዙዎም ወይ ዝፈትሑዎም እንተሃሊዮም ዝገለፁዎ የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ብሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተማሪኾም ዝተብሃሉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩን ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዝነበሩን ተፈቲሖም መቐለ ኣትዮም እዮም።

ተማሪኾም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ካልኦት ዕጡቓትን እንተሃሊዮም ኣተሓባባሪ ማእኸል ሙሩኻት መቐለ ናብ ዝኾኑ ናብ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልና ኣይተልዓለን። ካብ ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ መብርሂ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ እውን ኣይተዓወተን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG