ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ጉዳይ 20 ተወላዶ ትግራይ ተኸሰስቲ ጥራሕ ኢና ንርኢ ዘለና፡” ክልል ኣምሓራ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 100 ተወላዶ ትግራይ እሱራት ከም ዘለዉ ንዝሓበረ ህዩማን ራይትስ ፈረስት ዝተባህለ ትካል፡ ክልል ኣምሓራ ዝፈልጦም 20 ጥራይ ምዃኖም ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ፡ ምኽትል ሓላፊ ገበናዊ ጉዳያት ዶ/ር ኣያሌው ኣባተ ቢሻው ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ዶ/ር ኣያሌው ወሲኾም፡ ናይቶም 12 ሰባት ክሲ ኣብ ዘየለዉሉ ይረአ ስለ ዝነበረ መዝገቦም ከ ዝተዓፀወን፣ እቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፃኢ ኮይኖም ጉዳዮም ይከታተሉ ከም ዘለዉን ብምግላፅ፡ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ተኸሰስቲ ከም ዘይብሎም ሓቢሮም።

ናይቶም 20 ሰባት ክሲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለምንታይ ከም ዘይተቛረፀ ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን ድማ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ሕቶ ከም ዘየቕረበሎም ብምሕባር፡ ንሱ ምስ ዝፍፀም ግን ክሶም ክለዓል ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሂዩማን ራይትስ ፈርስት ብወገኑ ኣብ ካልኦት ሓሙሽተ መዛግብቲ ብርክት ዝበሉ ተኸሰስቲ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፡ ኣብቲ ክልል ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት 60 ተወላዶ ትግራይ ደሃዮም ከም ዘይብሉ ሓቢሩ። ዶ/ር ኣየሌው ግን እቲ ሓበሬታ ዝተማልአ ዘይምዃኑ ይሙግቱ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG