ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ከተማ ዮሃንስ ዝተመዛበሉ 3ሽሕ ብር እናተዋህቦም ንናብ ትውልዲ ዓዶም ይምለሱ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምርጋግእ ምህላው መንግስቲ እቲ ክልልን መኢኣድን ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ካብ ከተማ ዮሃንስ ናብ ሱዳን ብኡ ኣቢሎም ናብ ሑመራ ዝኣተው ተመዛበልቲ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 3 ሽሕ ብር እናተውሃቦም ነናብ ከባቢ ትውልዶም ክኸዱ ከምዝተነግሮም ገሊፆም።

ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ባህር ዳር ውሱን ምርግጋእ ከምዝነበረ፣ዱኳናት ከምዝተኸፍቱን ትራንስፖርት እውን ከምዝነበረን ናይቲ ክልል መንግስትን ምኽትል ፕሬዝዳንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበን ገሊፆም።

ኣብ ከተማታት ምዕራብ ጎጃም እውን ውሱን ምርግጋእ ይርኣዮምከምዘሎ ኣቶ ሙሉጌታ ተዛሪቦም።

‘’ኣብ ከተማ መተማ ዝተፈጥረ ፀገም ኣብ ዘርኢ ዘተኮረ ከምዘይነበረ ኢና ኣፃሪና፤ነቲ ሓደጋ ዘውረደ ኣካል መን ምዃኑ ግን ኣይፈለጥናን ናይ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ግጭት ኣይኮነን’’ ኢሎም።

ብኻልእወገን ድማ ከተማ መተማ ናብ ምርግጋእ ከምዝተመልሰት ከንቲባ ከተማ መተማ ዮሃንስ ኣቶ እሸቴ መልኬ ገሊፆም።

ዝሓለፈ ሰሙን 25 ነሓሰ 2008 ዓ/ም ኣብታ ከተማ መናእሰይ ዝተወሰነ ሽግር ክፈጥሩ ጀሚሮም ከምዝነበሩን ሓይልታት ፀጥታ ከምዝተኸላኸሉዎን ገሊፆም ኣለው ኣቶ እሸቴ።

ንሶም: ’’ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ኣጋጢሙ’ሎ።ኣስታት ሸውዓተ ሰባት ድማ ናይ ምቑሳል ሓደጋኣጋጢሙዎም ኣሎ’’ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ 84 ናይ ንግዲ ትካላት ጉድኣት ከምዝበፅሐን እቲ ሕብረተሰብ ስልዝተረባረበ ግን ዝተቓፀለን ዝዓነወን ንብረት ብዙሕ ከምዘይኮነ ኣቶ እሸቴ ተዛሪቦም።

ንሶም: ‘’ጉድኣት ዝበፅሖም ሰብ ንብረት ብሽሞም ዝፍለጡ እንተኾኑ እውን ብሄሮም እንታይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ እቲ ሓበሬታ ተወዲኡ ኣይመፀን’’ኢሎም።

ካብ ከተማ መተማ ዮሃንስ ናብ ሱዳን ከተማ ገላባት ካብኡ ድማ ናብ ሑመራ ዝኣተወ ታደሰ ሕሉፍ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መደቀሲ ዓራት ከምዝተኻረየሎም ይገልፅ።ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ቕርሺ ከፊሉ ናብ ሑመራ ከምዝኣተው ዝገለፀ ንሱ ህዝቢ ሱዳን ዝገበረሎም ደገፍ ይንእድ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሰሰለስተ ሽሕ ቕርሺ እናሃበ ነናብ ከባቢኦም ንክኸዱ ይነግሮም ከምዘሎ ዝገለፀ ንሱ እዚ እኹል ስለዘይኮነ ሓገዝ ፀዊዑ’ሎ።

ካብ ከተማ ዮሃንስ ዝተመዛበሉ 3ሽሕ ብር እናተዋህቦም ንናብ ትውልዲ ዓዶም ይምለሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:07 0:00

XS
SM
MD
LG