ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናእሰይ ትግራይ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዝሕግዙ ስራሕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ


ደም ዝልገሰሉ ማእከል
ደም ዝልገሰሉ ማእከል
ብዋናነት ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዋኒናት ወፊሮም ብኣንቅዶ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ሕርሲ ዝተታሓዛ ኣዴታት ናብ ቤት ሕክምና የብጽሑ፤ ደም ድማ ይልግሱ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣዴታት ምእንታን ኣብ ቤት ሕክምና ክሓርሳ ባህላዊ ኣምቡላንስ ዝሰየምዎ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መሰከሚ ተጠቒሞም ናብ ቤት ሕክምና ወይ ካዓ ኣምቡላንስ ናብ ትኣትዎ ቦታ የብጽሑ ኣለዉ፡፡

ዛጊድ 4000 ውዳበታት መናእሰይ ብገዛ ፍቓዶም ኣብቲ ንኣምቡላንስ ኣጸጋሚ ዝኾነ ታባታት ትግራይ ኣዴታቶምን ኣሓቶምን ካብ ሞት ክኽውሉ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ ይብል ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር ኣብርሃ ገብረዋህድ፡፡ ብተወሳኺ ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ብዙሕ ደም ፈሲሱወን ኣብ ሓደጋ ከይወድቃ መናእሰይ ደም ይልግሱ ኣለዉ፤ ብኡ ኣቢሎም ባንኪ ደም ኣብ ከከባቢኦም ንኽህሉ ኣኽኢሎም ኣለዉ፡፡ ክሳብ ሐዚ 500 መናእሰይ ደም ክልግሱ ቁሩባት ምዃኖም ተመዝጊቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ደም ንምሃብ ድልዋት እዮም፡፡

ባህላዊ ኣምቡላንስ ንምስራሕ ብዙሕ ኣእዋም ስለዝቑረጹ እዚ ድማ ኣብ ብርሰት ኣግራባት መጋደዲ ጸገም ስለዝፈጥር ገንዘብ ኣዋጺኦም ኣብ ቁሸት ሓንቲ ቃሬዛ ክትህሉ ይግባእ ዝብል ምልዕዓል ድማ ብወገን ዞባ ደቡብ ትግራይ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣብርሃ ገሊጹ፡፡ ወላ እኳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተባባዕ ምምሕያሽ ይረአ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ብሞት ኣዴታት ዝህሰያ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ፡፡

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:47 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG